ኮሚሽን ሃገራዊ ዘተ ምስ መዳርግቲ ኣካላት ክልል ትግራይ መርሃ ግብሪ ምእካብ ኣጀንዳን ምፍላይ ተሳተፍቲን ምክያድ ጀሚሩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 23 መጋቢት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኮሚሽን ሃገራዊ ዘተ ኢትዮጵያ ምስ መዳርግቲ ኣካላት ክልል ትግራይ መርሃ ግብሪ ምእካብ ኣጀንዳን ምፍላይ ተሳተፍቲን ምክያድ ጀሚሩ፡፡
ዋና ኮሚሽነር እቲ ኮሚሽን መስፍን ኣርኣያ (ፕ/ር) ኣብቲ መርሃሐ ግብሪ መጀመሪ ኣብ ዝገበሩዎ መደረ ከምዝበሉዎ÷ ክልል ትግራይ ኣብ ከይዲ እቲ ምኽክር ምስታፍ ናሃገራዊ ፀገማት መፍትሒንምቕማጥ እጃሙ ዕዙዝ ኢዩ።
ትግራይ ብባህሊ ይኹን ብታሪኽ ጥንኩር ክብሪ ዝርከበሉ ከምዝኾነ ብሕባር÷ ዋና መብፅሒ እቲ መድረኽ እውን ንፀገማት ሓበራዊ መፍትሒ ምቕማጥ ኢዩ ኢሎም።
እቲ ኮሚሽን ኣብ ካልኦት ክልላት ከምዘካየዶ ኣብ ክልል ትግራይ እውን እዚ ንምግባር ብዙሓት ፃዕሪታት እናገበረ ፀኒሑ ኣብ ሎሚ በፂሑ ኢሎም።
ብዘይ ተሳትፎ ትግራይን ኣካታታይነትን እቲ ሃገራዊ ዘተ ሸቶኡ ክወቅዕ ኣይኽእል ዝበሉ እቶም ዋና ኮሚሽነር÷ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ኣብዚ መድረኽ ተሳቲፎም ሓሳቦም ከዋፅኡ ዘይከኣሉ ኣካላትን ሓሳብ ንምቕባል እቲ ኮሚሽን ኩሉ ግዘ በሩ ከምዘይዕፆ ኣፍሊጦም።
ንሰለስተ መዓልቲታት ኣብዝካየድ መርሃ ግብሪ፤ ፓርቲታት ፖለቲካን ተወከልቲ ትካላት ሃይማኖትን ሓዊሱ ተወከልቲ ዝተፈላለያ ትካላት እናተሳተፉ ይርከቡ።
ብይስማው ኣደራው
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!