Fana: At a Speed of Life!

ኮሚሽን ሃገራዊ ዘተ ምስ ሰብ ሞያ ሚዲያ ትግራይ ተዛቲዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኮሚሽን ሃገራዊ ዘተ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ትግራይ ምስ ዝርከቡ መዳርግቲ ኣካላት ሰብ ሞያ ሚዲያ ሎማዓንቲ ተዛቲዩ።

እቲ ዘተ ኣብ ትግራይ ንዝሳለጥ ሃገራዊ ዘተ ግንዛበ ኣብ ምፍጣር እጃሞም ንኽፃወቱ ዝዓለመ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ኣቐባሊ ቃል እቲ ኮሚሽን ጥበቡ ታደሰ ከምዝበሉዎ፥ ከቅድሚ ሕዚ ኣብቲ ክልል ምስ ዝርከቡ ተወከልቲ ተናሓናሕቲ ፓርቲታት ፖለቲካ፣ ምሁራንን መዳርግቲ ኣካላትን ተዛቲዩ ኢዩ።

ምስ ሰብ ሞያ ሚዲያ ዝተገበረ ዘተ እውን ናይዚ ኣካል ኢ ኢሎም።

ሚዲያታት ኣድላይነት እቲ ምኽክር፣ ስራሕቲ እቲ ኮሚሽን ኣብዚ ሕዚ እዋን ዝርከበሉ ደረጃ ከምኡ እውን ከይዲታት ምኽክር ንሕብረተሰብ ብምግንዛብን ግልፂነት ኣብ ምፍጣር ግደኦም ንኽዋፅኡ ዘኽእል ከምዝኾነ ኣመልኪቶም።

ኣብ ከይዲ ዘተ ሕብረተሰብ ምትእምማን ኣብ ምፍጣር ሚዲያታት እቲ ክልል ሓገዝ ንኽገብሩ ተሓሲቡ ዝተሰናደአ መድረኽ ከምዝኾነ ኣይተ ጥበቡ ንፋና ዲጂታል ገሊፆም።

ኣብቲ መድረኽ ማሕበራዊ ሚዲያ ሓዊሱ ኣብ ኩሎም ኣማራፂታት ሚዲያ ዝሰርሑ ሰብ ሞያ ከምዝተሳተፉ ተዛሪቦም።

ኣብቲ ክልል ምኽክር ንምክያድ ምቹው ኩነታት ናይ ምፍጣር ስራሕቲ እናተሰርሑ ከምዝኾኑ እውን ኣብሪሆም።

ብኣድማሱ ኣራጋው

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.