Fana: At a Speed of Life!

ኮሚሽን ሃገራዊ ዘተ ምስ ኣመራርሓን ኣባላትን ኣፋሕድ ይትቲ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ኮሚሽን ሃገራዊ ዘተ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ኣምሓራ ተዓጢቆም ዝንቀሳቀሱ ዝነበሩ መገዲ ሰላም መሪፆም ዝተመልሱ ኣመራርሓን ኣባላትን ትካል ህዝባዊ ኣምሓራ ፋኖ (አፋሕድ) ይዛተ ኣሎ፡፡
ዋና ኮሚሽን ኮሚሽነር መስፍን ኣርኣያ (ፕ/ር) ኣብቲ እዋን ከምዝበለዎ፤ ነፋጥ (ዓረር) ሃገራዊ ምርድዳእ ክምስርት ኣይኽእልን፡፡
ኣመሰራርታ እቲ ኮሚሽን፣ ዓበይቲ ንጥፈታቱን ኣብ ቀፃሊ ዘካይዶ ስራሕቲን ብዝምልከት ገለፃ ዝካየዱ እንትኾን፤ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝተኻየዱ ከይዲ ዘተ ብዝምልከት እውን መብርሂ ሂቦም።
ዓረር ሰዓርን ተሳዓርን ይፈጥር እምበር ሃገራዊ ምርድዳእ ከምዘይምስርት ዝገለፁ እቶም ዋና ኮሚሽነር፤ ሃገራዊ ምርድዳእ ዝሰፍነሉ ኩሎም ኣካላት ብዛዕባ ሃገሮም ንምዝታይ ብዘለዎም ፅኑዕ ድልየት ከምዝኾነ ኣገንዚቦም፡፡
ኮሚሽነር ዮናስ ኣዳዬ (ዶ/ር) ብወገኖም፤ እቲ ጉጅለ ሰላም ብምምራፅ ነቲ ኮሚሽን ከቕርበሎም ዝፀንሐ ናይ ምምኽኻር ፃውዒት ተቐቢሉ ናብ ዘተ ምምፅኡ ንሃገራዊ ሰላም ልዑል ዓወት እዩ ኢሎም፡፡
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.