Fana: At a Speed of Life!

ኮሚሽን ሃገራዊ ዘተ ኣብ ክልል ትግራይ ምስ ዝርከቡ ፓርቲታት ፖለቲካ ተዛቲዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ልኡኽ ኮሚሽነራት ኮሚሽን ሃገራዊ ዘተ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ትግራይ ምስ ዝርከቡ ፓርቲታት ፖለቲካ ተዛቲዩ፡፡

ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ኣብ ዝተኻየዱ ልዝባት ብዛዕባ እቲ ኮሚሽን ክሳብ ሕዚ ዘሎ ምንቅስቓስ ስራሕ ከምኡ እውን ኣብ ክልል ትግራይ ልዝብ ብዛዕባ ዝግበረሉ ኩነታተ ብኮሚሽነራት እቲ ኮሚሽን ገለፃ ተገይሩ።

ኣብቲ እዋን ዘተ ዝተረኸቡ ኮሚሽነራት ብዝኾነ ይኹን ኩነታት ምዝርራብን ምዝታይን ከምዝግባእ ብምግላፅ÷ ከም ደቂ ሓንቲ ሃገር ብምቅርራብ ኣብ ትግራይ ይኹን ከም ሃገር ዘጋጠሙ ፀገማት ንምታሕ ምርብራብ ከምዘድሊ ተዛሪቦም፡፡

እቶም ፓርቲታት ኣብ ክልል ትግራይ ከይዲ ዘተ ንኽጅመር ጥጡሕ ባይታ ኣብ ምፍጣርን ብንቕሓት ብምስታፍን ምሰቲ ኮሚሽን ብቕርበት ንኽሰርሑ ኣብቶም መድረኻት ፃውዒት ቀሪቡ፡፡

ኣመራርሓ ፓርቲታት እቲ ኮሚሽን ፈተንቲ ኩነታታት ብምፅዋር ኣብ ክልል ትግራይ ከይዲ ዘተ ንምጅማር ናብ ተግባር ምእታዉ ተስፋ ዝህብ ጅማሮ ከምዝኾነ ኣልዒሎም።

እቲ ከይዲ ዘተ ብቕልጡፍ ክጅመር ከምዝግባእ ብምሕባር÷ እቲ ከይዲ ዕዉት ክኸውን ምግባር ፀገማት ብዘላቕነት ምፍታሕን ብፍላይ ኣብ ትግራይ ዝረኣዩ ወጥሪታት ተጋዲዶም ዳግም ናብ ኲናት ከይእቶ ልዑል ኣስተዋፅኦ ከምዝህልዎ ኣብሪሆም፡፡

እቲ ኮሚሽን ካብቶም ፓርቲታት ፖለቲካ ዝወሰዶም እታወታት ብምጥቃም ኣብቲ ክልል ዝካየድ ሃገራዊ ዘተ ኣብ ዝሓፀረ እዋን ክጅመርን ንኹሉ ዘካትትን ዘሳትፍን ክኸውን ምስ ፓርቲታት ፖለቲካን ካልኦት መዳርግቲ ኣካላትን ብቕርበት ከምዝሰርሕ እቶም ኮሚሽነራት ምግላፆም ኣቐባሊ ቃል እቲ ኮሚሽን ኣይተ ጥበቡ ታደሰ ንፋና ዲጂታል ተዛሪቦም።

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook www.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.