Fana: At a Speed of Life!

ኮሚሽን ኢንቨስትመንት ምስ ሰለስተ ኩባንያታት ቻይና ሰነድ ስምምዕነት ተፈራሪሙ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 6 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኮሚሽን ኢንቨስትመንት ምስ ሰለስተ ኩባንያታት ቻይና ሰነድ ስምምዕነት ተፈራሪሙ።

እቲ ስምምዕነት÷ ኮሚሽነር ኮሚሽን ኢንቨስትመንት ሌሊሴ ነሜ ምስ ሓለፍቲ ስራሕ እቶም ኩባንያታት ተፈራሪሞምዎ።

ክልተ ኣብ ዘፈር ፋርማሲዩቲካልን ሓደ ኣብ ዘፈር ምቅንብባር ሕርሻን ዝተዋፈሩ ኩባንያታት ዝተፈረመ ስምምዕነት ከምዝኾነ እተን ኮሚሽነር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፀን ፅሒፈን።

ብመሰረት እቲ ስምምዕነት እቶም ኩባንያታት ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲታት ኢንቨስትመንት ዝዋፈሩ እንትኾኑ፥ እዚ ድማ ንኢኮኖሚ ልዑል ረብሓ ከምዘለዎ እተን ኮሚሽነር ኣፍሊጠን።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.