ኮሚሽን ኢንቨስትመንት ምስ ሰለስተ ኩባንያታት ቻይና ሰነድ ስምምዕነት ተፈራሪሙ
ኣዲስ ኣበባ ፣ 6 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኮሚሽን ኢንቨስትመንት ምስ ሰለስተ ኩባንያታት ቻይና ሰነድ ስምምዕነት ተፈራሪሙ።
እቲ ስምምዕነት÷ ኮሚሽነር ኮሚሽን ኢንቨስትመንት ሌሊሴ ነሜ ምስ ሓለፍቲ ስራሕ እቶም ኩባንያታት ተፈራሪሞምዎ።
ክልተ ኣብ ዘፈር ፋርማሲዩቲካልን ሓደ ኣብ ዘፈር ምቅንብባር ሕርሻን ዝተዋፈሩ ኩባንያታት ዝተፈረመ ስምምዕነት ከምዝኾነ እተን ኮሚሽነር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፀን ፅሒፈን።
ብመሰረት እቲ ስምምዕነት እቶም ኩባንያታት ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲታት ኢንቨስትመንት ዝዋፈሩ እንትኾኑ፥ እዚ ድማ ንኢኮኖሚ ልዑል ረብሓ ከምዘለዎ እተን ኮሚሽነር ኣፍሊጠን።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/…
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com