Fana: At a Speed of Life!

ኮሚሽን ጉምሩክ ብስነ ምግባሩ ዝነኣድ ኣገልጋሊ ንምፍጣር ይሰርሕ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኮሚሽን ኮሚሽነር ጉምሩክ ደበሌ ቃነታ ብስነ ምግባሩ ዝነኣድ ኣገልጋሊ ሓይሊ ሰብ ንምፍጣር ዘካይዶ ፃዕሪ ቀፂሉ ኢሎም፡፡

ኮሚሽን ጉምሩክ ካብ ኩሉም ክፋላት እታ ሃገር ዝተውፃእፅኡ ልዕሊ 3 ሽሕ 300 ዝኾኑ ሓደሽቲ ሰልጠንቲ ሰራሕተኛታት ስነ-ስርዓት ኣቀባብላ ኣካይዱ።

ኣብቲ ስነ-ስርዓት ኮሚሽነር ደበሌ ቃበታ ከምዝበልዎ፤ ኢትዮጵያ እትደልዮ ዓይነት ብስነ ምግባሩ ዝነኣድ ኣገልጋሊ ንምፍጣር ፃዕሪ ይግበር ኣሎ፡፡

ኮሚሽን ጉምሩክ እጃሙ ንምውፃእ ልእኽትኡ ንምፍፃምን ዘኽእል ኣገልጋሊ ንምፍጣር ናይ ባዕሉ እጃም እናተዋፅአ ምዃኑ ኣረዲኦም፡፡

ሰልጠንቲ ሰራሕተኛታት ዝውሃቦም ሓፍነት ምውፃእ ንክኽእሉ ብዝፈትውዎ ቅድመ ስልጠና ኣብ ትፅቢት ዝግበረሎም ኩሉ ብግቡእ ክወስዱ ኣተሓሳሲቦም፡፡

ከይዲ ስልጠና ዝኽበር ተጠባባቂ ፕሬዚዳንት ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ሳሙኤል ክፍሌ (ዶ/ር) ብግዲኦም እቶም ሰልጠንቲ ብፍልጠትን ክህሎትን ዝተማልአ ዓቕሚ ንክህልዎም ንምኽኣል እቲ ዩኒቨርሲቲ ድልው እዩ ኢሎም፡፡

ብዳዊት ጎሳየ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook www.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.