ኮሚቴ መልማሊ ኣመራርሓ ቦርድ መረፃ ፀብፃቡ ንቀዳማይ ሚንስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣቕሪቡ
ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኮሚቴ መልማሊ ኣመራርሓ ቦርድ መረፃ ፀብፃቡ ንቀዳማይ ሚንስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ሎሚ መዓልቲ ኣቕሪቡ፡፡
እቲ ኮሚቴ ንኣመራርሓ እቲ ቦርድ ኣብ ዝቐረቡ ተወዳደርቲ ስራሕቲ ምፍላይ ብምክያድ ብመሰረት እቲ ኣዋጅ መመዘኒ ብምምለኦም ዝተመረፁ ናይ መወዳእታ ሕፁያት ዕላዊ ምግባሩ ይፍለጥ፡፡
ብመሰረት እዚ፤ 1ይ. ኣይተ ተስፋዬ ንዋይ፣ 2ይ. ኣይተ ተክሊት ይመስል፣ 3ይ. ዶ/ር ያሬድ ሃብተ ማርያም፣ 4ይ. ወ/ሮ ነሲ ዓሊ፣ 5ይ. ወ/ሮ ዳሮ ጀማልን 6ይ. ወ/ሮ ፍሬህይወት ግርማን ብመሰረት እቲ ኣዋጅ መለክዒ ብምምልኦም ሰለስተ መፃረዪ ከይዲታት ብምሕላፍ ከምዝተመረፁ ገሊፁ፡፡
መልማሊ ኮሚቴ ኣመራርሓ ቦርድ መረፃ 17 መጋቢት 2017 ዓ.ም ብቀዳማ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ከምዝተጣየሸ ይዝከር፡፡