ኮሚቴ ኣቕራቢ ሕፁያት ቦርድ መረፃ ናይ መወዳእታ ሕፁያት ዕላዊ ገይሩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኮሚቴ ኣመራርሓ ኣቕራቢ ሕፁያት ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትጵያ ናይ መወዳእታ ሕፁያት ዕላዊ ገይሩ፡፡
ኣካቢ እቲ ኮሚቴ ቀሲስ ታጋይ ታደለ ከይዲ ምልመላን ዝተመረፁ ሕፁያትን ዕላዊ እንትገበሩ ከምዝበሉዎ፤ ኣብ ዝቐረቡ ተወዳዳደርቲ ስራሕቲ ምፍላይ ምስተሰርሐ ናይ መወዳእታ ሽዱሽተ ሕፁያት ተመሪፆም፡፡
ብመሰረት እዚ፤ 1ይ. ኣይተ ተስፋዬ ንዋይ፣ 2ይ. ኣይተ ተክሊት ይመስል፣ 3ይ. ዶ/ር ያሬድ ሃብተ ማርያም፣ 4ይ. ወ/ሮ ነሲ ዓሊ፣ 5ይ. ወ/ሮ ዳሮ ጀማልን 6ይ. ወ/ሮ ፍሬህይወት ግርማን ብመሰረት እቲ ኣዋጅ መለክዒ ብምምልኦም ሰለስተ መፃረዪ ከይዲታት ብምሕላፍ ተመሪፆም ኢሎም፡፡
ዝተመረፁ ሕፁያት፤ ተኣማንነት ዘለዎ ኣካይዳ መረፃ ንኽካየድ ከምዝሰርሑን ካብ ኣባልነት ዝኾነ ይኹን ፖለቲካ ፓርቲ ናፃ ከምዝሖኑ ቀሲስ ታጋይ ተዛሪቦም፡፡
ብወንድማገኝ ፀጋዬ