Fana: At a Speed of Life!

ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ፌዴሬሽን ኩዕሾ እግሪ ኢትዮጵያ ኣን ዝተፈላለዩ ጉዳያት ውሳነ አሕሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ፌዴሬሽን ኩዕሾ እግሪ ኢትዮጵያ ሎሚ መዓልቲ ኣብዘካየዶ ኣኼባ ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ብምዝታይ ውሳነ አሕሊፉ፡፡

ብምዃኑ ኣብ ጋንታ ኩዕሾ ሲዳማ ቡና ዝተኣገዱ ተፃወትቲ ኣሰሊፉ ዝሰዓሮ ፅዋዕ ኢትዮጵያ በፎርፌ ተሸናፊ ኮይኑ እቲ ፅዋዕ ንወላይታ ድቻ ተመላሲ ንኽግበር ከምኡ እውን ጋንታ ኩዕሾ እግሪ ወላይታ ድቻ ኣብ ፅዋዕ ኮንፌዴሬሽን ዘበነ ውድድር 2025/26 ተሳታፊ ንኽኸውን ውሳነ አሕሊፉ።

ካብዚ ብተወሳኺ መምርሒ ምሕደራ ፋይናንስ ፕሪምየር ሊግ ኢትዮጵያ ብምጥሓስ ዝተወሰነሎም ውሳነ ጋንታ ስፖርት መቻል፣ ጋንታ ስፖርት ሃዋሳ ከተማን ጋንታ ስፖርት ሲዳማ ቡናን ካብ መተሓዳደሪ ደምቢ ፌዴሬሽን ኩዕሾ እግሪ ኢትዮጵያ ወፃእ እቲ ጉዳይ ናብ ስሩዕ ቤት ፍርዲ ብምውሳድ ክሲ ብምምስራትን እቲ ውሳነ ብምእጋድን ዝተነበረሎም ተፃወትቲ ኣብ ሰለስቲአን ጋንታታት ተሰሊፎም ክፃወቱፃግባሩ ብምግምጋም ውሳነ ሂቡ።

በዚ ድማ ሰለስቲአን ጋናትታታት ውሳነ ኣካላት ፍትሒ ብህፁፅ ተግባራዊ ክገብሩን ክስለፉ ዘይግበኦም ዝተኣገዱ ተፃወትቲ ተጠቒመን ዝተፃወተኦም ፀወታታት ኩሎም ብፎርፌ ንኽሰዓራን ዝተነበረን ናይ ገንዘብ ቅፅዓት ብምኽፋል ሪፖርት ንኽገብራን ወሲኑ።

እተን ካልኦት 14 ጋንታታት መምርሒ ፋይናንስ ተኸለን ከምዝሰርሓ ምርመራ ንኽግበርን እቲ ምርመራ ክሳብ ዝዛዘም ኣብ ሞንጎ ጋንታታት ፕሪሚየር ሊግ ዝግበር ምንቅስቓስ ዝውውር ተፃትቲ ተኣጊዱ ንኽፀንሕ ተወሲኑ።

ኣብ ዘበነ ውድድር 2018 ፕሪሚየር ሊግ ኣብ 2017 ፕሪሚየር ሊግ ተሳተፍቲ ዝነበራ ኩለን 18 ጋንታታትን ካብ ላዕለዋይ ሊግ ዝዓበያ ክልተ ካንታታትን ብምውሳኽ ኣብ ሞንጎ 20 ጋንታታት ንኽካየድን ኣብቲ ውድድር ዓመት ኣርባዕተ ጋንታታት ናብ ላዕለዋይ ንኽወርዳን ተወሲኑ።

ሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.