Fana: At a Speed of Life!

ኮሪደር ልምዓት ከተማ ቢሾፍቱ ዝበፅሐሉ ብርኪ ዝተባብዕ እዩ – ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኮሪደር ልምዓት ከተማ ቢሾፍቱ ኣብዚ ዝበፅሐሉ ብርኪ ንክበፅሕ ዝተሰርሑ ስራሕቲ ዝበረታታዕ እዩ ኢለን ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ፡፡

እተን ከንቲባ ምስ ሓለፍቲ ስራሕ ምምሕዳር ከተማ ቢሾፍቱ ሎሚ ኣብ ከተማ ቢሾፍቱ ዝካየድ ዘሎ ልምዓት ኮሪደር ዘለዎ ጀረጃ ገምጊመን።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተጀመረ ልምዓት ኮሪደር ናብ ካልኦት ከተማታት ተስፋሕፊሑ ንህዝቢ ተረባሕቲ ክገብር ብቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ዝተውሃበና ተልእኾ መሰረት ልምዓት ኮሪደር ቢሾፍቱ ዝበፅሖ ብርኪ ተዘዋዊረን ተዓዚብና ኢለን፡፡

እተን ከንቲባ ኣብቲ እዋን ኣብ ከተማ ቢሾፍቱ ስራሕቲ ልምዓት ኮሪደር ዝተረኸበ ዓወት ንምድጋም ብሓባር ክንሰርሕ ኢና ምባለን ኣብ ቤት ፅሕፈት ከንቲባ ፕሬስ ሴክሬታሪያት ብሩክሰው ይልማ ንፋና ዲጂታል ተዛሪቦም፡፡

እቲ ስራሕ ተጀሚሩ ኣብዚ ብርኪ ንክበፅሕ ዝሰርሖ ስራሕ ዘተባብዕ ምዃኑ ብምግላፅ ዝተረፉ ስራሕቲ ኣብ ሓፂር ግዘ ተዛዚሞም ንኣገልግሎት ክፍቲ ንክኾኑ ብሓባር ክሰርሕ ምዃኑ ወሲኾም ገሊፆም።

 

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.