Fana: At a Speed of Life!

ኮርፖሬሽን ልምዓት ፓርክታት ኢንዱስትሪ ልዕሊ 4 ቢሊየን ብር ኣታዊ ረኺቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኮርፖሬሽን ልምዓት ፓርክታት ኢንዱስትሪ ኣብ ዝተዛዘመ በጀት ዓመት  ልዕሊ 4 ቢሊየን ብር ኣታዊ ረኺበ ኢሉ፡፡

እቲ ኮርፖሬሽን ገምጋም ኣፈፃፅማ ትልሚ በጀት ዓመት 2017/18 ኣብ ከተማ ጅማ ይሳለጥ ኣሎ።

ዋና ፈፃሚ ስራሕ እቲ ኮርፖሬሽን ፍሰሃ ይታገሱ (ዶ/ር) ኣብቲ እዋን ከምዝበሉዎ÷ ኣብ በጀት ዓመት 2017 ዓም 18 ቢሊየን ብር ዝግመቱ ተካእቲ ፍርያታት ኣብ 11 ፍሉያት ዞባታት ኢኮኖሚን ክልተ ፓርክታት ኢንዱስትሪን ፈርዮም፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ 6 ቢሊየን ብር ዝግመት ምትእስሳር ዕዳጋ ንፍጣር ተሓሲቡ 14 ቢሊየን ብር ግምታዊ ምትእስሳር ዕዳጋ ከምዝተፈጠረ ተዛሪቦም።

ናብ ወፃኢ ካብ ዝተለኣኹ ፍርያታት 124 ሚሊየን ዶላር ኣታዊ ከምዝተረኸበን ን48 ሺሕ 900 ዜጋታት ዕድል ስራሕ ከምዝፈጠረን ሓሮም፡፡

ኣብ ዝተዛዘመ በጀት ዓመት 99 ሚኢታዊ ትልሙ ከዕውት ከምዝኸኣለ ዝገለፁ ኣይተ ፍሰሃ÷ ኣብ ቀፃሊ መሰረተ ልምዓታት ኮርፖሬሽን ልምዓት ፓርክታት ኢንዱስትሪ ብምስፋሕ ሰፊሕ ዕድል ስራሕ ንምፍጣር ብትኹረት ክስራሕ ኢዩ ኢሎም።

ብበሪሳ ሃ/ማርያም

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook www.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.