Fana: At a Speed of Life!

ኮርፖሬሽን ማዕድን ኢትዮጵያን ሰንበርድ ባዮ ፊውልን ኣብ ኣቪዬሽን ልምዓት ነዳዲ ብምትሕብባር ንምስራሕ ዘኽእል ስምምዕነት ከቲሞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኮርፖሬሽን ማዕድን ኢትዮጵያን ኩባንያ እንግሊዝ ሰንበርድ ባዮ ፊውልን ኣብ ኣቪዬሽን ልምዓት ነዳዲ ብምትሕብባር ንምስራሕ ዘኽእል ስምምዕነት ከቲሞም።

ኣብቲ ሰነድ ስምምዕነት፥ ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ ኮርፖሬሽን ማዕድን ኢትዮጵያ ኣይተ ቴዎድሮስ ጌታቸውን ዋና ፈፃሚ ስራሕ እቲ ኩባኒያ ሪቻርድ ቤኔትን ክልታሞም ኣንቢረሙሉ።

ብመሰረት እቲ ስምምዕነት እቲ ኮርፖሬሽን ኣብ ዓውዲ ተሓዳሲ ሓይሊ ብፍላይ ኣብ ልምዓት ኣቪዬሽን ነዳዲ ምስ ሰንበርድ ባዮ ፊውል ኣፍሪካ ብምትሕብባር ክሰርሕ ኢዩ ተባሂሉ።

ኣይተ ቴዎድሮስ ከምዝበልዎ፥ ኣብ ልምዓት ተሓዳሲ ነዳዲ ኢትዮጵያ ዝተጀመሩ ስራሕቲ ዝተባባዕ ውፅኢት የመዘግቡ ኣለዉ።

እቲ ስምምዕነት፥ ተሓዳሲ ሓይሊ፣ ሓምለዋይ ልምዓት፣ ኣቪዬሽን ነዳዲን ካልኦት ዓውዲታት ባዮ ጋዝን ንምጥንኻር ዘኽእል ኢዩ ኢሎም።

ብመላኩ ገድፍ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.