ኮፕ32 ኢትዮጵያ ንዓለም ንምርኣይ ገዚፍ መድረኽ ኢዩ – ቀደማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ጉባኤ ክሊማዊ ለውጢ ሕቡራት መንግስታት(ኮፕ32) ሃፍቲ ቱሪዝምና ንዓለም ንምርኣይ ገዚፍ መድረኽ ኢዩ ኢሎም ቀደማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)።
ኢትዮጵያ ብመሰረት ማዕቐፍ ኮንቬንሽን ክሊማዊ ለውጢ ሕቡራት መንግስታት ኣሰናዳኢት ኮፕ32 ሃገር ኮይና ምሕራያ ይዝከር።
ብሄራዊ ኣተሓባባሪ ኮሚቴ ኮፕ32 የብሔራዊ አስተባባሪ ቀደማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸብሉ ሎሚ ቁልፊ ናይ ምድላው ተግባራት ንምውዳድ ዘኽእል ኣኼባ ኣሳሊጡ።
እቶም ቀደማይ ሚኒስትር ኣብቲ እዋን፥ ኮፕ32 ኢትዮጵያ ንዓለም ንምርኣይ ገዚፍ መድረኽ ኢዩ ኢሎም።
ኣብ ሰለስተ ዓመትን ፈረቓን ጉዕዞና ቀዳማይ ዕላማ ህንፀት ሃገር ኢዩ ብምባል፥ ኣብዚ እዋን ኢትዮጵያ መሰረታዊ ንዝኾኑ ዛዕባታት ብቕዕቲ ከምዝኾነት ዘተኣማምን ኩነታት የድሊያ ክብሉ ገሊፆም።
ኣብ ከይዲ ህንፀት ሃገር ዝተጣየሸ ብዙሓት ስራሕቲ መሰረተ ልምዓት ትፅቢት ከምዝግበረሉ ብምሕባር፥ እዚ ስራሕ ዕዉት ከምዝኸወን ዘለዎም እምነት ገሊፆም።
ህንፀት ፅባቐ ሃገር ካልኣይ ቀንዲ ዕላምኡ ከምዝ|ኾነ ብምግላፅ፥ ኢትዮጵያ ፅብቕቲ ሃገር ኢያ ካብ ምባል ብዝዘለለ ጥንታዊትን ብዙሕ ዝረኣይ ባህሊን ታሪክን ዘለዋ ሃገር ስለዝኾነት ብምንፅር ቱሪዝም ዘለዋ ሃፍቲ ንዓለም ንምርኣይ ልዑል መድረኽ ከምዝኾነ ሓቢሮም።
ብመሰረት እዚ ፅባቐ ኢትዮጵያ ንዓለም ንምርኣይ ዘኽእል ስራሕ እንሰርሐሉ እዋን ኢዩ ኢሎም።
ሃገር ብምህናፅ ፅባቐ ኢትዮጵያ ንዓለም ካብ ምግላፅ ብተወሳኺ ዘተኣኻኽቡና ጉባኤታት ዕዉታት ክኾኑ የግባእ ክብሉ ኣገንዚቦም።
ብሃይለማርያም ተገኝ