ወለዶ ናይ ዘመናት ልምዓታዊ ሸቶኡ ዘዐወተሉ ግድብ ህዳሴ…
ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ወለዶ ብርእሱ ዓቕሙን ማእገርን ናይ ዘመናት ሸቶ ልምዓት ኣብ ዓብዩ ግድብ ህዳሰ ምዕዋት ክኢሉ ሚኒስትር ማይን ኢነርጂን ሃብታሙ ኢተፋ (ዶ/ር)።
እቶም ሚኒስትር ከምዝበልዎ ፤ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ንቐፃሊ ወለዶ እውን ዓብዩ ትርጉም ዝህብ ድሙቕ ኣሰር ልምዓት እዩ፡፡
ከይዲ ህንፀት እቲ ፕሮጀክት ኣብ መላእ ዓለም ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ብንቅሓት ብምስታፍ ድሙቕ ታሪክ ምፅሓፎም ኣረዲኦም፡፡
ኢትዮጵያ ኣብ ዶብ ሰገር ሩባታት ፍትሓዊ ስርዓተ ምሕደራ ሃፍቲ ማይ ንክሰፍን ኣበርቲዓ ክትሰርሕ ከም ዝፀንሐት ኣመልኪቶም፡፡
ዓብዩ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ንዘመናት ዝፀንሐ ዘይፍትሓዊ ኣጠቓቕማ ሃፍቲ ማይ ዝደምሰሰ እዩ ኢሎም።
ታሕተዎት ተፋሰስ ሃገራት ብዘተኣማምን ፍሰት ማይ ንክረኽባ ኣብ ምግባር ዘጋጥሞም ዝነበረ ሓደጋ ውሕጅ ምትራፍ ከምዝተኻኣለ ኣረዲኦም፡፡
እቲ ግድብ ህዳሰ ዝተሸሀሞ ቀረብ ማይ፤ ምንጪ ፀዓት ካብ ምዃን ሓሊፉ ምንጪ ሃፍቲ ዓሳን መባፅሕ ኢኮ-ቱሪዝምን እናኾነ ይመፅእ ከምዘሎ ሓቢሮም ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!