ወላይታ ድቻን ኣል ኢትሃድን ማዕረ ተፈላሊየን
ኣዲስ ኣበባ፣ 9 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ቀዳማይ ፀወታ ፅዋዕ ካፍ ኮንፌደሬሽን ወላይታ ድቻ ምስ ኣል ኢትሃድ ብዘይ ሸቶ ማዕረ ተፈላሊያ።
ኣብቲ ውድድር ንኢትዮጵያ ትውክል ጋንታ ወላይታ ድቻ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ስታዲየም ኣበበ ቢቂላ ምስ ሊቢያዊት ጋንታ ኣል ኢትሃድ ዝገበረቶ ፀወታ ብማዕረ ውፅኢት ዛዚመን።
ወላይታ ድቻ ናይ መልሲ ፀወታ ድሕሪ ሰሙን ካብ ሜዳኣ ወፃእ ክትገብር ኢያ፡፡
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!