Fana: At a Speed of Life!

ወላይታ ድቻ ንኣርባምንጭ ከተማ ስዒራ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ መበል 28 ሰሙን ፀወታ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ወላይታ ድቻ ንኣርባምንጭ ከተማ 2 ን 1 ብዝኾነ ውፅኢት ስዒራ፡፡

ወላይታ ድቻ ዝተዓወተትለን ሸቶታት ሙሉቀን ኣዲሱን ካርሎስ ዳምጠውን እንተመዝግቡ፤ ብሕታዊ ሸቶ ኣርባምንጭ ከተማ ድማ ኣህመድ ሁሴን ኣመዝጊቡዋ፡፡

ወላይታ ድቻ ድሕሪ ኣርባዕተ ተኸታተልቲ ፀወታታት ናብ ዓወት እንትትምለስ፤ ኣርባ ምንጭ ከተማ ብግደኣ ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ፀወታታት ዓወት ክተመዝግብ ኣይከኣለትን፡፡

እቲ ውፅኢት ስዒቡ ወላይታ ድቻ ብ41 ነጥቢ ኣብ 4ይ ደረጃ እንትትቅመጥ፤ ኣርባምንጭ ከተማ ብ35 ነጥቢ መበል 11 ደረጃ ትርከብ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.