Fana: At a Speed of Life!

ወልዋሎ ዓዲግራት ዩኒቨርሲቲን ሸገር ከተማን ማዕረ ተፈላሊየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ መበል 16 ሰሙን ፀወታ ሲቢኢ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ወልዋሎ ዓዲግራት ዩኒቨርሲቲን ሸገር ከተማን 1 ን 1 ማዕረ ተፈላሊየን።

ቀትሪ ሰዓት 7 ኣብ ስታዲየም ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተኻየደ ፀወታ፤ ናይ ወልዋሎ ዓዲግራት ዩኒቨርሲቲ ሸቶ ኮንኮኒ ሃፊዝ እንተመዝግብ÷ ሄኖክ ኣዱኛ ድማ ናይ ሸገር ከተማ ሸቶት ኣመዝጊቡዋ።

መርሃ ግብሪ እቲ ሊግ ቀፂሉ እንትካየድ ኣብ ተመሳሳሊ ስታዲየም ሰዓት 10 ምድረ ገነት ሽረን ኣርባ ምንጭ ከተማን ክራኸባ ኢየን።

ከምኡ እውን ኣብ ስታዲየም ዩኒቨርሲቲ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ኣዳማ ካብ ሰዓት 9 ጀሚሩ ኢትዮጵያ ንግድ ባንክን ኣዳማ ከተማ እንትራኸባ ሰዓት 12 ኣብ ተመሳሳሊ ስታዲየም ሃዋሳ ከተማ ምስ ነገሌ ኣርሲ ክፃወታ ኢየን።

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.