ወሳኒ ምዕራፍ ታሪኽ ምትእስሳር ኢትዮ-ህንዲ ንቕድሚት ዝቕፅል ኢዩ – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ታሕሳስ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ነዊሕን ዓሚቕን ዝኾነ ወሳኒ ጉዕዞ ምዕራፍ ታሪኽ ምትእስሳር ኢትዮጵያን ህንዲን ንቕድሚ ዝቕፅል ኢዩ ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) እዚ ዝበሉ ንቀዳማይ ሚኒስትር ህንዲ ናሬንድራ ሞዲ ትማሊ ኣብ ማእኸል ኢንተርናሽናል ኮንቬንሽን ኣዲስ ናይ ክብሪ እንግዶት ድራር ኣብ ዘገበሩሉ እዋን ኢዩ።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብቲ ስነ ስርዓት እንግዶት ድራር፤ ዕቤት ዝውረስ ዘይኮነስ ብዕላማ፣ ብፅንዓትን ብምሕዝነትን ዝህነፅ ኢዩ ኢሎም።
ዕላዊ ዑደት ስራሕ ቀዳማይ ሚኒስትር ናሬንድራ ሞዲ ካብ ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ዝተሳገረ ኣጋጣሚ ከምዝኾነ ገሊፆም።
እቲ ዑደት ጥንቃቐ ዝተመልኦ ትልሚን ብደፋር ሓሳባት ለውጢ ምስጓም ከምዝኽእሉ ዝተረድኡ ምትእኽኻብ ክልተ ሃገራት ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
እዚ ነዊሕን ዓሚቕን ዝኾነ ታሪኽ ምትእስሳር ኢትዮጵያን ህንዲን ወሳኒ ዝኾነ ጉዕዞ ምዕራፍ ምትሕብባር ንቕድሚት ከምዝቕፅል መርኣያ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።
ከም ህንዲ ጥንካረና ኣብ ውሽጢ ሃገር ብምህናፅ፣ ናፅነት ብዝሓለወ መገዲ ኣብ ዓለም ለኸ ጉዳያት ኣብ ምስታፍ ነኣምን ኢሎም።
ኣብ ተግባራዊ ምሕደራን ሰፊሕ ስትራቴጂካዊ ምሕዝነትን ዝተመስረተ ራኢ ህንዲ ምስ ኣምር ምድማር ዝተጠዓዓመ ከምዝኾነ እውን ተዛሪቦም።
ብሓባር እንትንሰርሕ ጥንካረና ክነብዝሕ ንኽእል ኢና ዝብል ኣመለኻኽታ ዕድላት ዝኸፍት ኢዩ ክብሉ ኣብሪሆም።
ኢትዮጵያን ህንዲን ኣሳታፊ ልምዓት ብምድጋፍ፣ ኣብ ምክብባር ዝተመስረተ ናይ ነዊሕ እዋን ስትራቴጂካዊ ምትሕብባር ከምዘለወን ብምዝኽኻር፤ እቲ ምትሕብባሩ ንምሕዝነት ደቡብ ደቡብ ዓቕሚ ከምዝኸውን ሓቢሮም።
ዑደት ቀዳማይ ሚኒስትር ናሬንድራ ሞዲ እውን እዚ ዘጠናኽር ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
ብዮናስ ጌትነት
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!