ወፃኢ ንግዲ ምዕባይ፣ ተካእቲ ፍርያታትን መፍረያይነት ምውሳኽን ቀንዲ ትኹት መንግስቲ ኮይም ክቕሉ ኢዮም – ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ
ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ታሕሳስ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ብመመሓየሺ ኢኮኖሚ ንዝተረኸቡ ዓወታት ዘላቕነት ንኽህልዎም ወፃኢ ንግዲ ምዕባይ፣ ተካእቲ ፍርያታትን መፍረያይነት ምውሳኽን ቀንዲ ትኹት መንግስቲ ኮይም ክቕሉ ኢዮም ኢሉ ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ።
እቲ ኣገልግሎት ‘ካብ ኢኮኖሚ ስብራት ናብ ኢኮኖሚያዊ ብራኸ’ ብዝብል ኣብ ዘውፀኦ መግለጫ፤ ዝተገበረ መመሓየሺ ኢኮኖሚ ምሃገር ካብ ውድቀት ኣድሒኑ ኢዩ ኢሉ።
ካብዚ ብተወሳኺ ክዙን ሸርፊ ወፃኢ ብምዕባይን ጥንካረ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ብምጉልባትን ምስ ማሕበረሰብ ንግዲ ዓለም ዘለዋ ርክብ ናብ ዝለዓለ ምዕራፍ ንኽትሰጋገር ከምዝገበረ ገሊፁ።
ዝተረኸቡ ዓወታት ዘላቕነት ንኽህልዎም ወፃኢ ንግዲ ምዕባይ፣ ተካእቲ ፍርያታትን መፍረያይነት ምውሳኽን ቀንዲ ትኹት መንግስቲ ኮይም ከምዝቕፅሉ እውን ኣረጋጊፁ።
ሙሉእ ትሕዝቶ ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ዘውፀኦ መግለፂ ከምዚ ዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ:-
ካብ ኢኮኖሚ ስብራት ናብ ኢኮኖሚያዊ ብራኸ
መርሃ ግብሪ ዝተማለአ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ጭቡጥን ዘላቒ ዕቤትን እናመዝገበ ንጥንኩርን ተወዳዳሪን ኢኮኖሚ መሰረት ኣንቢሩ ኢዩ፡፡
ቆራፅነት መንግስቲ ኣብ ዝተርኣየሉ መርሃ ግብሪ መመሓየሺ ኢኮኖሚ ንዓመታት ኣብ ኢኮኖሚ ኣንፀላሊዮም ዝነበሩ ዝተዋደዱ ፀገማት ደረጃ ብደረጃ ንኽንክዩን ውሽጣዊ ዓቕሚ ዘለዎ፣ ምስ ዓለም ዝተኣሳሰረን ኣብ ዕዳጋ ተወዳዳሪ ዝኾነን ጥንኩር ኢኮኖሚ ንኽህነፅ ዘኽእል ባይታ ምፍጣር ተኻኢሉ፡፡
እቲ ዕቤት ኢኮኖሚ ብዝለዓለ ደረጃ ንኽቀላጠፍ ብፍላይ ዝቕባበ ዋጋ ኣብ ምርግጋእ፣ ክዙናት ሸርፊ ወፃኢ ብምዕባይ፣ ተካእቲ ፍርያታት ብምብርትታዕን፣ ሓደሽቲ ፍሰታት ኢንቨስትመንት ኣብ ምስሓ እቲ መመሓየሺ ክሳብ ሕዚ ኣብ ዘለዎ ጉዕዞ ዕዙዝ ዓወታት ኣመዝጊቡ፡፡
ካብዚ ጎድና ጎድኒ መንግስቲ ብተኸታታሊ ዝወሰዶም ቆራፅ ናይ መመሓየሺ ውሳነታት ንዝተረኸበ ዓወት መሰረታት ኢዮም፡፡ መንግስቲ ስብራት ኢኮኖሚ ንኽፅገንን ደጊሙ ንኽብርኽን ካብ ዘወሰዶም ቁልፊ ስጉምቲታትን ካብ ዝወገኖም ቀንዲ ስራሕቲ ተመን ሸርፊ ወፃኢ ብዕዳጋ ንኽምራሕን ናይ ኢትዮጵያ ገንዘብ ትክኽለኛ ዋጋ ንኽረክብ ምግባሩን ኢዩ፡፡
በዚ ድማ ቅድም ክብል ብዘይሕጋዊ መገዲ እናተዘዋወረ ዝነበረ ሸርፊ ወፃኢ ናብ ባንኪ ሕጋዊ ስርዓት ንኸኣቱ ብምግባር ብሕፅረት ዶላር ንኽዕፀዉ ዝተቓረቡ ትካላት ኢንቨስተመንት ናብ ስራሕ ንኽምለሱን ኢኮኖሚ ካብ ዘጋጠሞ ከቢድ ስብራት መሊሱ ንኽዕሪ ዘኽአለ ውፅኢታዊ ስራሕ ምውጋን ተኻኢሉ፡፡
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!