Fana: At a Speed of Life!

ዉሕጅ ብምስዓብ ስግኣት ዝፈጥር ዝነበረ ማይ ንሓረስቶት ተረባሕቲ ይገብር ኣሎ- ግርማ ኣመንቴ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስትር ግብርና  ግርማ ኣመንቴ (ዶ/ር) ኣብ ክልል ማእከላዊ ኢትዮጵያ ዞባ ሃላባ ወረዳ ዌራ ዲጆ ጣቢያ ሲንቢጣ ዉሕጅ ብምስዓብ ስግኣት ዝፈጥር ዝነበረ ማይ ንሓረስቶት ተረባሕቲ ይገብር ኣሎ ኢሎም።

ኣብቲ ዞባ ብመስኖ ዝፈሪዩ ዝተመሓየሹ ፍሪያታት ኣቮካዶ ብተደጋገሚ ንሓደጋ ዉሕጅ ይቃልዑ ከምዝነበሩ ብምግላፅ፥ ሐዚ ንሓረስቶት እቲ ከባቢ ተረባሒ ይገብሩ ከምዘለዉ ተዛሪቦም።

እቶም ዘርኢታት ኣቨካዶ ቅድሚ 5 ዓመት ካብ ወፃኢ ብዶላር ተዓዲጎም ይኣትዉ ከምዝነበሩ ብምዝኽኻር፥ ኣብዚ ሐዚ እዋን ብስፍሓት በምፍራይ መናእሰየን ሓረስቶትን ተረባሕቲ ይገበሩ ኣለዉ ኢሎም።

እቶም ፍሪያታት ንእታዎታት ኢንዱስትሪ ዝውዕሉን ሰደድ ብምግባር ሸርፊ ወፃኢ ዘርከቡን ከምዝኾኑ ተዛሪቦም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ትማሊ ኣብቲ ክልል ጣቢያ ሲንቢጣ ኣካል ልምዓት ኮሪደር ገፀር ዝኾነ ሞዴል ህንፀት መንደር ሓረስቶት ገፀር ምጅማሮም ይፍለጥ።

ብኣቤል ንዋይ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.