Fana: At a Speed of Life!

ውሕስና ምግቢ ንምርግጋፅ ብራዚል ኣብነት እያ – ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኢትዮጵያ ውሕስና ምግቢ ንምርግጋፅ ኣብ ተኻይዶ ፃዕሪ ብራዚል ኣብ ዓውዲ ሕርሻ ዘመዝገበቶ ዓወት ቀንዲ ኣብነት ምዃኑ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም፡፡‎

ብምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ዝተመርሐ ልኡኽ ካብ 2ይ ውሕስና ምግቢ ብራዚል-ኣፍሪካ፣ ጥሜት ንምምካት ምስ ጉባኤ ልምዓት ገፀር ጎና ጎኒ ዓውዲ ሕርሻ እታ ሃገር ውፅኢታዊ ዝገበሩ ትካላት ዑደት ገይሮም፡፡

ኣብ ዑደቶም ምንቅስቃስ ስራሕ ብሄራዊ ቀረብ ኩባንያ ብራዚል ተዓዚቦም።

ኣብቲ እዋን እቲ ኩባንያ ካብ ምህርቲ ክሳብ ዕዳጋ ኣብ ዘሎ ከይዲ ቀረብ ምምሕዳር ካብ ዝኽተሎ ኣሰራርሓ ሰፊሕ ተመኩሮ ዝውሰደሉ ምዃኑ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተዛሪቦም፡፡

ብተመሳሳሊ ሓመድ ሓኪምካ ኣፍራይነት ንምውሳኽ፣ ልዑል ፍርያት ዝህቡ ዝራእቲ ብምድላውን ዘላቒ ኣተሓሕዛ ብምምሕያሽ ንዓውዲ ሕርሻ እታ ሃገር ልዑል ግደ ከምዘለዎ ዝዝረበሉ ኮርፓሬሽን ምርምር ሕርሻ ብራዚል ዑደት ገይሮም፡፡

እቲ ትካል ብፈጠራ ቴክኖሎጂ ዝተደገፉ ስራሕቲ ንክስራሕ ብምግባር ፍርያትነት ንምዕባይ ዝስራሕ ምዃኑ ኣይተ ተመስገን ገሊፆም፡፡

ብተወሳኺ ካብ 1 ነጥቢ 5 ሚሊየን ሰባት ብቀጥታን ብተዘዋዋሪን ብዝተፈላለዩ ስራሕቲ ተረባሕቲ ዝገብሩ ምቅስቓሳት ሕብረት ስራሕ ማሕበራት ተዓዚቦም፡፡‎

ኣይተ ተመስገን ኣብቲ እዋን ኢትዮጵያን ብራዚልን ተመሳሳሊ ክሊማ፣ ኣሲዳዊ ሓመድን ተፈጥሮኣዊ ኩነታትን ምህላዎም ኣልዒሎም፡፡

ወሲኾም፤ ብራዚል ኣብቲ ዓውዲ ዓወት ውሕስና ምግቢ ንምርግጋፅ ኣብ ትገብሮ ፃዕረ ኣብነት እያ ኢሎም።‎

ብፍሬህይወት ሰፊው

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.