Fana: At a Speed of Life!

ውርይቲ ተዋሳኢት ኣንጀሊና ጆሊ ንሆስፒታል ቅዱስ ጴጥሮስ ሓገዝ ንምግባር ቃል ኣትያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ውርይቲ ኣሜሪካዊት ተዋሳኢት ኣንጀሊና ጆሊ ብግሎባል ሄልዝ ኮሚቴ ኣቢላ ንስፔሻላይዝድ ሆስፒታል ቅዱስ ጴጥሮስ ሓገዝ ናውቲ ሕክምና ንምግባር ቃል ኣትያ፡፡

ካብ ተዋስኦን ሞያ ፊልምን ብተወሳኺ ሰብኣዊ ሓገዝ ብምግባር ትፍለጥ ኣንጀሊና ጆሊ፤ ኣብ ስፔሻላይዝድ ሆስፒታል ቅዱስ ጴጥሮስ ብምርካብ ምንቅስቓስ ስርሑ ተዓዚቦም።

ሓጋዚ ሜዲካል ዳይሬክተር እቲ ሆስፒታሉ ሃይደር ኣሕመድ ንፋና ዲጂታል ከምዝበሉዎ፤ ኣንጀሊና ጆሊ ኣብቲ ሆስፒታል እናተውሃበ ዝርከብ ሕክምና መድሓኒት ዝተላመደ ቲቢ (ኤምዲኣር ቲቢ) ሓዊሱ ካልኦት ኣገልግሎታት ተዘዋዊራ ተመልኪታ።

በዚ ድማ እቲ ሆስፒታል እናሃቦ ዝርከብ ኣገልግሎት ንምጥንኻር ዘኽእሉ ኩነታታት ንምርኣይን ንምፍላይን ከምዝኸኣለት ተዛሪቦም።

እቲ ሆስፒታል ዝወሃብ ኣገልግሎት ሕክምና ኤምዲኣር ቲቢ ዋርድ ፣ ኣገልግሎታት ላቦራቶሪን ካልኦትን ተወሳኺ ሓገዝ እንድሕር ተገይሩሎም ብዝበለፀ ውፅኢታዊ ክኸውን ከምዝኽእል ኣንጀሊና ጆሊ ኣብቲ እዋን ዑደት ገሊፃ።

ኣብ ቀፃሊ እቲ ሆስፒታል ዘተኣማምን ኣገልግሎት ንተሓከምቲ ንሕህብ ብግሎባል ሄልዝ ኮሚቴ (ጂኤችሲ) ኣቢላ ኣድላዪ ሓገዝ ከምትገብር ቃል ኣቲያ፡፡

አንጀሊና ጆሊ ቲቢን ንምጥፋእ እቲ ሆስፒታል ኣብ ዝገብሮ ፃዕሪ ዘላቒ ሓገዝ ንምግባር ቆራፅ ከምዝኾነት እውን ተዛሪባ፡፡

ብኣቤል ነዋይ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook www.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.