ውሳነታት መበል 44 ስሩዕ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት
ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ሎሚ ኣብ ዘካየዶ መበል 44 ስሩዕ ኣኼብኡ ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ዘትዩ ውሳነታት ኣሕሊፉ።
እቲ ቤት ምኽሪ ዘሕለፎም ውሳነታት ከምዝስዕብ ቐሪቡ፡-
1.ቤት ምኽሪ ፈላማይ ዝተዛተየ ምስ መንግስቲ ሪፐብሊክ ጣሊያንን ዓለም ለኸ ማሕበር ልምዓትን ዝተፈረሙ ክልተ ስምምዕነት ፋይናንሳዊ ሓገዝ እዩ። ካብ መንግስቲ ሪፓብሊክ ጣሊያን ዝተረኸበ 11,500,000 ዩሮ ንከባቢን ሓምለዋይ ኢኮኖሚን ደገፍ በጀት መፈፀሚ ዝውዕል እንትኾን ን16 ዓመት ችሮታ ግዘ ሓዊሱ ኣብ 30 ዓመት ተከፊሉ ዝውዳእ እዩ፡፡ ካብ ዓለም ለኸ ማሕበር ልምዓት ዝተረኸበ 38,100,000 ኤስ.ዲ.አር ንምምሃርን ምስትምሃርን ዓውዲ ትምህርቲ መደብ ትራንስፎርሜሽን መፈፀሚ ዝውዕል ኮይኑ 0.75% ግልጋሎት ክፍሊት ዝኸፍል ኾይኑ ኣብ 6 ዓመት ችሮታ ብ38 ዓመት ተኸፊሉ ዝውዳእ እዩ፡፡ እቲ ቤት ምኽሪ ልቓሕ ምንም ዓይነት ወለድ ዘይረኣዮምን ካብ ሃገርና ምምሕዳር ፖሊሲ ልቓሕ ዝጥዓዓም ምዃኑ ብምርግጋፅ ረቂቕ ኣዋጃት ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ከመሓላልፎ ብሙሉእ ድምፂ ወሲኑ።
2. ብምቕፃል እቲ ቤት ምኽሪ ዝተዛተየ ምስ ኮርፖሬሽን ፋይናንስ ኣፍሪካ መጣየሺ ስምምዕነት መፅደቒ ረቂቕ ኣዋጅ እዩ። እቲ ኮርፖሬሽን ጠመተ ዝገበሮ ኣብ መሰረተ ልምዓት፣ ሃፍቲ ተፈጥሮ፣ ኢንዱስትር ልምዓትን ትኹረት ብምግባር ንመንግስታዊ ትካላትን ፋይናንሳውን ቴክኒካውን ሓገዝ ንምሃብ ዝተጣየሸ እዩ። ሃገርና ብኣባልነት ምሕዋሳ ውልቐ ዓውዲ ተወሳኺ ፋይናንሳዊ ሃፍቲ ብምቕራብ ኣብ ውልቐ ዓውዲ ዘይትካእ ኢኮኖሚ ዕብየት ንምቅልጣፍን ድኽነት ንምንካይን ኣገዳሲ ብምዃኑ እቲ ቤት ምኽሪ ዘቕረቦ ረቂቕ ኣዋጅ ድሕሪ ምዝታይ ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ክመሓላለፍ ብሙሉእ ድምፂ ወሲኑ።
3.እቲ ካልእ እቲ ቤት ምኽሪ ንሃገራት ኣፍሪካ ነፃ ንግዲ ስምምዕነት ኣብ ልዕሊ ኣቑሑት ዝኽፈል መጠን ታሪፍ ንምትግባር ዝሕግዝ ረቂቕ ደንቢ ዘትዩ። እቲ ስምምዕ ኣብ መንጎ ኣባል ሃገራት ንግዲ ንምስፋሕ፣ ምትእስሳር ዕዳጋ ንምጥንኻር፣ ሰንሰለት እሴት ንምግዋድን ኢኮኖሚ ትራንስፎርሜሽን ምብርትታዕ ዝውዕል እዩ፡፡ ኣብ ሞንጎ ኣባል ሃገራት ዝግበሩ እታወታታ ብምኽያት ታሪፍ ከይተዓንቀፈ እታወታት ብዝተሳለጠ ክኾን ካብ ኣባላት ሃገራት ዝመፅኡ ናውቲታት ታሪፍ ጉምሩክ ምውሳን ኣድላዩ ምዃኑ ብምዝታይ ደንቢ እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ፌደራል ጋዜጣ ነጋሪት ተሓቲሙ ካብ ዝወፅኣሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ተፈፃሚ ከምዝኸውን ብሙሉእ ድምፂ ወሲኑ።
4.እቲ ቤት ምኽሪ ዝተዘተየሉ ኣብ ሚኒስትሪ ትራንስፖረትን ሎጂስቲክስን ዝውሃቡ ግልጋሎትን ትካላት ሰብ መዚ ብስቪል ማሕበራት ፌ.ዴ.ሬ.ኢ ግልጋሎት ዝህቡ ግልጋሎት ክፍሊት ንምውሳን ክልተ ረቂቕ ደንቢታት እዩ። እቶም ትካላት ግልጋሎት ንምሃብ ወፃኢታት ንምሽፋን፣ ኣታዊኦም ንምዕባይን ፅሬት ግልጋቶም ንምዕባይን ዘለዎም ዓቕሚ ኣብ ግምት ዘእተወ ናይ ግልጋሎት ክፍሊት ምውሳን ኣገዳሲ ይኸውን።
5.ዜጋታት ወፃኢ ዘይነንቀሳቐስ ንብረት ብዓል ዋና ወይ ድማ ወነንቲ ዝኾኑሉ ግቡእነት ንምድንጋግ ዝወፅአ ረቂቕ ኣዋጅ ካሊእ እቲ ቤት ምኽሪ ዝተዛተየሉ ኣጀንዳ እዩ፡፡
6. ኣብ መወዳእታ እቲ ቤት ምኽሪ ዝተዛተየ ምስ መንግስቲ ኦስትርያ ዝተፈረመ ስምምዕ መገዲ ኣየር ንምፅዳቕ ዝቐረበ ረቂቕ ኣዋጅ እዩ፡፡ እቲ ስምምዕነት ንምፅዳቕ ክልቲኦም ሃገራት ርክቦም ብዘበለፀ ንምጥንኻር ንመገዲ ኣየርና ተወሳኺ ዕድላት ዕዳጋ ዝፈጥር፣ ንግድን ቱሪዝም ንስፋሕ፣ ዕድል ስራሕ ንምፍጣርን ከምኡ እውን ሸርፊ ወፃኢ ልዑል ረብሓ ዘለዎ ምዃኑ እቲ ቤት ምኽሪ ነቲ ረቂቕ ኣዋጅ ድሕሪ ምዝታይ ብሙሉእ ድምፂ ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ክመሓላለፍ ብሙሉእ ድምፂ ወሲኑ።