ውትህድርና ጀግንነትን ስብእናን ተላቢሱ ዕንቅፋታት እንተይበድህዎ ብፅንዓት ደው ምባል ይሓትት- ሌ/ጄ ሹማ ኣብደታ
ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ታሕሳስ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ውትህድርና ጀግንነትን ስብእናን ተላቢሱ ዕንቅፋታት እንተይበድህዎ ብፅንዓት ደው ምባል ይሓትት ኡሎም ኣዛዚ ፍሉይ ወፍሪታት ሌ/ጄ ሹማ ኣብደታ።
ማእኸል እቲ እዚ ንኣዋረሕ ዘሰልጠኖም መዐቀኒታት መሰረታዊ ወተሃደራት ሎሚ ብድሙቕ ስነ ሰርዓት ኣመሪቑ።
ሌ/ጄ ሹማ ኣብደታ ከምዝበልዎ፥ እቶም ተመረቕቲ መሰረታዊ ውትህድርናን ምልምል መሰረታዊ ኮማንዶነትን ዘማልኡ ኢዮም።
ሙያ ውትህድርና ጀግንነትን ስብእናን ዝደሊ ካብ ምዃኑ ብተወሳኺ ፈተንቲ ንዝኾኑ ሰብ ስራን ተፈጥሮኣዊን ብድሆተት እንተይበድህዎ ብፅንዓት ደው ምባል ዝሓትት ከምዝኾነ ኣገንዚቦም።
እዚ እንትኸውን ብዝሓልፍ ህይወት ዘይሓልፍ ታሪክ ብምፅሓፍ ኣብ ልቢ ዜጋታት ብትውልዲ ቅብብል ንዘላኣለም ምንባር ከምዝከኣል ሓቢሮም።
ብመላኩ ገድፍ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!