ውፅኢታውነት መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ብካልኦት ሃገራት እውን ተመስኪሩ ኢዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ(ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኢትዮጵያ ብፍልጠትን ጥበብን ተግባራዊ ዝገበረቶ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ውፅኢታዊ ምዃኑ ብካልኦት ሃገራት እውን ተመስኪሩ ኢዩ ኢሎም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒሰትር ብዛዕባ ዕብየት ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ፣ እዋናዊ ፈተናታትን ቀፃሊ ኣንፈትን ጠሚቶም ኣብ ዝገበርዎ ካልኣይ ክፋል ቃለ መሕትት ትግበራ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ብዝርዝር ኣረዲኦም።
እቲ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ዘድለየሉ ብዓለም ለኸ ተካል ገንዘብ ወይ ባንኪ ዓለም ፅዕንቶ ዘይኮነስ ኣብ ኢተዮጵያ ዘለዉ ኩነታት እቲ ኢኮኖሚ ክፍቲ ንክግበር ብምግዳዶም ከምዝኾነ ሓቢሮም።
እቲ ኢኮኖሚ ምኽፋት ኣድላዪ ምዃኑ ደሕሪ ምእማን ብተመሳሳሊ ኩነታት መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ተግባራዊ ናብ ዝገበራ ሃገራት ልኡኻት ብምልኣኽ ልምዲ ንምውሳድ ሰፊሕ ፃዕሪ ተገይሩ ኢሎም።
እቲ መመሓየሺ ተግባራዊ ንምግባር ምስ መራሕቲ ዝተፈላለያ ሃገራት፣ ትካል ገንዘብ ዓለም፣ ባንኪ ዓለምን ዝተፈላለያ ማሕበራትን ትካላትን ዓምዩቕ ዘተ ከምዝተገበረ ኣረዲኦም።
ብምቕፃል ኣብቶም ዘተታት ዝተረኸቡ ለምዲታትን ነባራዊ ኩነታት ኢትዮጵያን ብምግንዛብ ብሃገር ቦቆል መመሓየሺ ኢኮኖሚ 1ን 2ን ኣቢሉ እቲ ኢኮኖሚ ከምዝተኸፈተ ኣዘኻኺሮም።
ብመሰረት እዚ መሃያ ናይ ምኽፋልን ካልኦት ፀገማትን ንምፍታሕ ፈለማ ሃገር ቦቆል ኢኮኖሚ መመሓየሺ 10 ቢሊየን ዶላር ብምትእኽካብ ዕዉት ትግበራ ከምዝተፈፀመ ገሊፆም።
ይኹን አንበር መበል ካልኣይ ሃገር ቦቆል ኢኮኖሚ መመሓየሺ ንምትግባር ዘኽእል ሃፍቲ ንምርካብ ካብ ናይ መጀመሪያ ዝተፈለየ መገዲ ምሓዝ ኣድላዩ ነይሩ ኢሎም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ(ዶ/ር) መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ቀጥታ ምስ ዓለም ለኸ ትካል ገንዘብ (ኣይ ኤም ኤፍ) ወይ ካብ ካሊእ ቦታ መፂኡ ዝተፅዓነ ነይ ካልኦት ባህጊ ከምዘይኮነ ኣረዲኦም።
ኣይ ኤም ኤፍ ብዛዕባ ኢትዮጵያ ኩነታት ዘለዎ ፍልጠት ውሱን ስለዝኾነ ካብ ትካሉ ተቐዲሑ ዝመፅአ ሪፎርም እንተዝኸውን ዝተረኸበ ውፅኢት ከርክብ ከምዘይኽእል ሓቢሮም።
ንኣብነት እቲ ትካል ናይ ኢትዮጵያ ሪፎርም ሓሳብ ድሕሪ ምቕራቡ ብ7 ነጥቢ 5 ቢሊየን ዶላር ክትግበር ይኽእል ኢዩ ዝብል መከራኸሪ ኣቕሪቡ ከምዝነበረ ኣዘኻኺሮም።
ይኹን እንበር ኣብ ኢትዮጵያ ብዙሓት ሰራሕተኛታት ትሑት መሃያ ተኸፈልቲ ከምዝኾኑ ብምሕባር ወሰኽ መሃያ እንተዘይተገይሩ እቲ ሪፎርም ሓደጋ ከምዘጋጥሞ ቅዋምና ብምግላፅ ኣፍሊጥና ኢና ኢሎም።
መንግስቲ ብሓፈሳ እናተለቀሐ ፀኒሑ ምምላስ ዘይኽእለሉ ብርኪ ብምብፅሑ ርክብ መንግስቲን ባንኪን ብሕጊ ምምራሕ እንትጅምር ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ክወድቕ ኢዩ ዝብሉ ስግኣታት ምቕራቦም እውን ገሊፆም።
ብመሰረት እዚ ብናይ ኢትዮጵያ ድልየትን ሕቶን ንማክሮ ኢኮኖሚ መመሓየሺ 10 ነጥቢ 5 ቢሊየን ዶላር ንክኸወን ብምስምማዕ ናብ ተግበራ ተኣትዩ ኢሎም።
ይኹን እንበር ብመንፅር ዘለውዎ ብዙሓት ፀገማት 10 ነጥቢ 5 ቢሊየን ዶላር እኹል ዘይምዃኑ ገሊፆም፤ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጥራሕ መንግስቲ ንዘበናዊ ዱኽዒ፣ ነዳዲ፣ ሴፍቲኔት፣ መድሓኒት 350 ቢሊየን ብር ድጎማ ከምዝተገበረ ገሊፆም።
እቲ ዱጎማ ንምቕፃል ካብ ኣይ ኤም ኤፍን ባንኪ ዓለምን ካብ ሕድሕዶም 3 ነጥቢ 5 ቢሊየን ዶላር ከምኡወን ካብ ኣለቃሕቲ ኢትዮጵያ ናይ ዕዳ ሽግሽግ ብምግባር እቲ ሪፎርም ምትግባሩ ኣረዲኦም።
ብተመሳሳሊ ኣብ ኢትዮጵያ ጥራሕ ዝተተግበረ ዘይምዃኑ ብምግላፅ፥ ድልየት ኢትዮጵያ መሰረት ብምግባር፣ ናይ ካልኦት ሃገራት ልምዲ ብምውሳድን ብምምኻርን ብፍልጠት፣ ጥበብን ዓምዩቕ ዘተን ተግባራዊ ከምዝተገበረ ኣብሪሆም።