Fana: At a Speed of Life!

ዑደት ባካሪ ሳኛ ንስፖርት ቱሪዝም ዘለዎ እጃም ልዑል ኢዩ – ሰላማዊት ካሳ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ነበር ተፃዋታይ ጋንታ ኣርሰናል ባካሪ ሳኛ ኣብ ኢትዮጵያ ዝገበሮ ዑደት ንስፖርት ቱሪዝም ልዑል ኣስተዋፅኦ ኣለዎ ኢለን ሚኒስትር ቱሪዝም ሰላማዊት ካሳ፡፡

እተን ሚኒስትር ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት እናገበረ ምስ ዝርከብ ባካሪ ሳኛ ብምርኻብ ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዎ ፃንሒት ብዝምልከት ተዛቲየን።

ኣብቲ እዋን ዘተ ኣብ ኣዲስ ኣበባ በቢከባቢኡ ዝተሃነፁ መዘውተሪ ስፖርትን ነቲ ዓውዲ ዝተውሃበ ትኹረትን ተተካእቲ ስፖርተኛታት ንምፍራይ ተስፋ ዝህቡ ከምዝኾኑ ኣልዒልና ኢለን፡፡

ባካሪ ሳኛ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝኽሪ ዓወት ዓድዋን ሓንድነት ፓርክን ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ዑደት ከምዝገበረ ብምሕባር፤ ኣብታ ከተማ ዝተመልከቶም መስሕባት ቅድም ክብል ብዛዕባ ኢትዮጵያ ዝነበሮ ኣመለኻታ ከምዝቐየሉሉ ምምስካሩ ተዛሪበን።

ከም ባካሪ ሳኛ ዝበሉ ዓለም ለኸ ኣፍልጦ ዘለዎም ከዋኽብቲ ናብ ምድረ ቀደምት ኢትዮጵያ ምስሓብ ንስፖርት ቱሪዝም ዘለዎ እጃም ልዑል ኢዩ ብምባል እተን ሚኒስትር ኣብሪሀን።

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.