Fana: At a Speed of Life!

ዑደት ፕሬዚዳንት ረጀብ ጠይፕ ኤርዶዋን ስትራቴጂያዊ ምሕዝነት ኢትዮጵያን ቱርኪን ዘጉልህ እዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ለካቲት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ዑደት ፕሬዚዳንት ረጀብ ጠይፕ ኤርዶዋን ዑደት ኢትዮጵያ እናዓበየ ዝመፀ ስትራተጂካዊ ምሕዝነት ክልቲኤን ሃገራት ዘጉልህ እዩ ኢሉ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር፡፡
ፕሬዚዳንት ረጀብ ጠይፕ ኤርዶዋን ኣብ ኢትዮጵያ ዕላዊ ናይ ስራሕ ዑደት ንምክያድ ሎሚ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣትዮም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ተረኺቦም ነቶም ፕሬዚዳንት ኣቀባብላ ገይሮምሎም።
እቲ ዑደት ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ቱርኪን እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ስትራተጂካዊ ምሕዝነት ዘጉልሕ ምዃኑ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣፍሊጡ፡፡
ብተወሳኺ ኢትዮጵያ ከም ዲፕሎማስያዊ ማእኸል ናይ ምኳን ግዲኣ ዘረጋግፅ ዑደት እዩ ኢሉ፡፡
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.