ዓለም ለኸ መዓልቲ ኣረጋውያን ይኽበር ኣሎ
ኣዲስ ኣበባ፣ 21 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) መዓልቲ ኣረጋውያን ኣብ ዓለም ንመበል 35 ግዜን ኣብ ሃገርና ድማ ንመበል 34 ግዜን ብዝተፈላለዩ መርሃ ግብርታት ይኽበር ኣሎ።
እቲ በዓል “ድሕነት ኣረጋውያን ናይ ምሕላው ሓላፍነትና ንዋፃእ” ብዝብል መሪሕ ሓሰብ እናተኸበረ ይርከብ።
ነቲ በዓል ብዝምልከት ናይ እግሪ ጉዕዞ ዝተኻየደ እንትኾን፣ ኣብ ዙርያ ኣረጋውያን ዝካየድ ንጥፈታት ብዝምልከት ድማ ምርኢት ዑደት ተገይሩ፡፡
መሰል ኣረጋውያን ንምሕላውን ዘጋጥሞም ግህሰት ደው ንምባልን ከምኡ እውን ንሃገር ዘገልገሉን ዝሰርሑን ኣረጋውያን ኣድላዪ ቆላሕታ ንምሃብ ፃዕርታት ይግበር ከምዘሎ ተገሊፁ።
ዘላቒ እቶት ንምርግጋፅን ኣታዊን ተጠቃምነትን ኣረጋውያን ንምርግጋፅ ዝዓለመ ስራሕቲ ቀፃልነት ተኸታታሊ ወለዶ ንምርግጋፅ ተግባራዊ ከምዝኸውን ይሕበር፡፡
ኣብ መርሃ ግብሪ ብባይቶ ወከልቲ ህዝቢኮሚቴ ጥዕና፣ ማሕበራዊ ልምዓት፣ ባህልን ስፖርትን ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣካቢት ወ/ሮ ወርቅሰሙ ማሞ፣ ሚኒስተር ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳያትን ኤርጎጌ ተስፋይን (ዶ/ር)ን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲን ተረኺቦም።
ብሰለሞን ይታየው
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!