ዓለም ለኸ ስሩዕ መንፈሳዊ ሰበኻ ጉባኤ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ይካየድ ኣሎ
ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)መበል 44 ዓለም ለኸ ስሩዕ መንፈሳዊ ሰበኻ ጉባኤ መንበረ ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ይካየድ ኣሎ፡፡
ኣብቲ ጉባኤ ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ ሓዊሱ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ተወከልቲ ኣህጉረ ስብከት እናተሳተፉ ይርከቡ።
ፓትርያርክ ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ ኣብቲ እዋን ከምዝበሉዎ፥ ኣብቲ ጉባኤ ስራሕቲን ፀገማትን እታ ቤተ ክርስቲያን ቀሪቦም ክግምገሙ ኢዮም፡፡
በዚ ድማ ዝተረኸቡ ልምዲታት ብምውሳድ ቀፀልቲ ኣንፈታት ዝቕመጡሉ ከምዝኾነ ኣመልኪቶም፡፡
እቲ ስሩዕ ኣኼባ ካብ ሎሚ መዓልቲ 4 ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም ጀሚሩ ንሓሙሽተ መዓልቲታት ከምዝፀንሕ ተገሊፁ፡፡
ብናፅነት ፀጋይ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!