Fana: At a Speed of Life!

ዓለም ለኸ ስሩዕ መንፈሳዊ ሰበኻ ጉባኤ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)መበል 44 ዓለም ለኸ ስሩዕ መንፈሳዊ ሰበኻ ጉባኤ መንበረ ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ይካየድ ኣሎ፡፡

ኣብቲ ጉባኤ ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ ሓዊሱ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ተወከልቲ ኣህጉረ ስብከት እናተሳተፉ ይርከቡ።

ፓትርያርክ ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ ኣብቲ እዋን ከምዝበሉዎ፥ ኣብቲ ጉባኤ ስራሕቲን ፀገማትን እታ ቤተ ክርስቲያን ቀሪቦም ክግምገሙ ኢዮም፡፡

በዚ ድማ ዝተረኸቡ ልምዲታት ብምውሳድ ቀፀልቲ ኣንፈታት ዝቕመጡሉ ከምዝኾነ ኣመልኪቶም፡፡

እቲ ስሩዕ ኣኼባ ካብ ሎሚ መዓልቲ 4 ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም ጀሚሩ ንሓሙሽተ መዓልቲታት ከምዝፀንሕ ተገሊፁ፡፡

ብናፅነት ፀጋይ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.