ዓለም ለኸ ድንጋገታት ሰብኣዊ መሰል ምሽርሻር ብሚሊየን ዝቑፀር ህይወት ኣብ ሓደጋ ኣውዲቑ ኢዩ – ኣፈ ጉባኤ ኣገኘሁ ተሻገር
ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ዓለም ለኸ ድንጋገታት ሰብኣዊ መሰል ምሽርሻር ብሚሊየን ዝቑፀር ህይወት ኣብ ሓደጋ ኣውዲቑ ኢዩ ኢሎም ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣገኘሁ ተሻገር፡፡
መበል 151 ጉባኤ ሕብረት ፓርላማ ዓለም (ኣይፒዩ) ኣብ እዋን ፀገም ድንጋገታት ሰብኣዊነት ማኽባርንበርን ሰብኣዊ ስጉምቲታት ምድጋፍን ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ይካየድ ኣሎ፡፡
ኣፈ ጉባኤ ኣገኘሁ ተሻገር ኣብቲ ጉባኤ ኣብ ዘስምዑዎ መደረ ሓበራዊ ሰብኣዊነትናና መሰረት ዝኾነ ዓለም ለኸ ድንጋገ ሰብኣዊ መሰላት ምሽርሻር ብሚሊየን ዝቑፀር ህይወት ኣብ ሓደጋ ኣውዲቑ ኢሎም፡፡
እቶም ድንጋገታት ቅድሚ ሕዚ ተራኢዩ ኣብ ዘይፍለጥ ፅዕንቶ ከምዝወደቑን ኣብ መላእ ዓለም ሲቪላት፣ ሰራሕተኛታት ሰብኣዊ ሓገዝን ሰብ ሞያ ሕክምናን ብዓመፅ እናተጎድኡ ከምዝኾኑ ኣልዒሎም።
ድንጋገታት ሰብኣዊ መሰል ምኽባር ሕጋዊ ጥራሕ ዘይኮነ ስነ ምግባራዊ ግቡእ ኢዩ ዝበሉ እቶም ኣፈ ጉባኤ÷ ፓርላማታት ካብ ማንም እዋን ንላዕሊ ኣብዚ ሕዚ እዋን እዞም መምርሒታት ናይ ምሕላው፣ ርክብ በዓል ብዙሕ ወገን ምጥንኻር፣ ድንጋገታት ሰብኣዊ መሰል ክሕለዉን ብእኹል ኩነታት ክድገፉን ንምግባር ሞራራላዊን ፖለቲካዊን ግቡእ ከምዘለዎም ኣገንዚቦም፡፡
ኢትዮጵያ ነቶም ድንጋገታት ብፅኑዕ ከምተኽብርን ኣርባዕቲኦም ስምምነታት ጀኔቫን ተወሰኽቲ ፕሮቶኮላትን ኣካል ሕገመንግስቲን ካልኦት ሕጊታትን ኣካል ከምዝገበረት ምግላፆም ዳይሬክተር ርክብ ህዝቢን ኮሙዩኒኬሽንን እቲ ቤት ምኽሪ ተረፈ በዳዳ ንፋና ዲጂታል ገሊፆም።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!