Fana: At a Speed of Life!

ዓለም ለኸ ጉባኤ ኢኖቬሽን ፅርየትን ጥዕና ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ እዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኢትዮጵያ ንፈለማ እዋን እተካይዶ ዓለም ለኸ ጉባኤ ኢኖቬሽን ፅርየትን ጥዕና ካብ ቀፃሊ ረቡዕ ጀሚሩ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ እዩ፡፡

ሚኒስቴር ጥዕና ምስ ውድብ ጥዕና ዓለም ብምትሕብባር ዘዳለዎ ጉባኤ ብዙሓት ተወከልቲ ሃገራት ክሳተፋ እየን፡፡

እቲ ጉባኤ “ኢኖቬሽን ንኩለመዳያዊ ንዕውት ሽፋን ጥዕና” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ዝካየድ እዩ።

እቲ መድረኽ ብኢኖቬሽን ጥዕና፣ ድሕንነት ሕሙማት፣ ፍተሓዊ ግልጋሎትን ሓቋፊን ተበፃሕነት ግልጋሎት ጥዕናን ዘተኮረ ክኸውን ይገብር፡፡

እቲ ጉባኤ ካብ 18 ሰነ 2017 ጀሚሩ ንተኸታተልቲ ሰለስተ መዓልታት ኣብ ዝኽሪ ዓወት ዓድዋ ክካየድ እዩ፡፡

ብዮናስ ጌትነት

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.