Fana: At a Speed of Life!

ዓለም ለኸ ጉባኤ ጥረምረን ናይ ቅብኣት እኽሊን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስቴር ንግዲን ዞማዊ ምትእስሳርን ምስ ማሕበር ለኣኽቲ ጥረምረን ናይ ቅብኣት እኽሊን ኢትዮጵያ ብምትሕብባር ዘሰናድኡዎ መበል 14 ዓለም ለኸ ጉባኤ ጥረምረን ናይ ቅብኣት እኽሊን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ።

ሚኒስትር ንግዲን ዞባዊ ምትእስሳርን ካሳሁን ጎፌ (ዶ/ር) ኣብቲ ጉባኤ፤ ዝተቐላጠፈን ጥንኩርን ስርዓት ንግዲ ብምፍጣር እቲ ዓውዲ ናብ ዝለዓለ ብርኪ ንምብፃሕ እናተሰርሐ ይርከብ ኢሎም።

ዝተፈላለዩ ዓይነታት እኽሊ ፈርዮም ናብ ወፃኢ ዕዳጋ ምቕራቦም ንኢትዮጵያ ብብርኪ ዓለም ተወዳዳሪት ከምዝገበራ ተዛሪቦም።

መንግስቲ መፍረያይነትን ፅሬት ፍርያትን ንምዕባይ ብፖሊሲ ዝተደገፈ ስራሕ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ኣብሪሆም፤ ናፃፃዳጋ ብምፍጣር ተሳትፎ ናይ ወፃኢ ኢንቨስተራት ናይ ምዕባይ ስራሕ እናተሰርሐ ይርከብ ኢሎም፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ሃገር በቆል ዝኾኑ ትካላት ኣብቲ ዓውዲ ተወዳዳራይነቶም ንኸዓቢ ሓገዝ ከምዝገብር እውን ኣብሪሆም።

ነበር ቀዳማይ ሚኒስትር ሃይለማርያም ደሳለኝ ብግደኦም፤ ዓቕሚ እቲ ዓውዲ ብምውፃእ ዓለም ለኸ ተወዳዳራይነት ዕዳጋ ንምድንፋዕ ዝተሰርሐ ስራሕ ንኢዶም።

ፕሬዚዳንት ማሕበር ለኣኽቲ ጥረምረን ናይ ቅብኣት እኽሊን ኢትዮጵያ ኣዳዊ ኣብዲ ብግደኦም፤ ብቖራፅነት መንግስቲ ኣብ ዝውገን ስራሕቲ ሪፎርም እቲ ዓውዲ ኣብ ምዕባይ ይርከብ ኢሎም።

ብዮናስ ጌትነት

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.