ዓለም ለኸ ፎረም ኢንቨስትመት “ኢንቨስት ኢትዮጵያ” ይካየድ ኣሎ
ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሎሚ መዓልቲን ፅባሕን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝካየድ ዓለም ለኸ ፎረም ኢንቨስትመት “ኢንቨስት ኢትዮጵያ 2025” ክያድ ጀሚሩ።
ኣብ መኽፈቲ እቲ ፎረም ፕሬዘዳንት ታዬ ኣፅቀ ስላሴ ሓዊሱ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ፣ ዓለም ለኸ ኢንቨስተራት፣ ዲፕሎማሰኛታት፣ መሓዙት ልምዓትን ካልኦት ዕድመ ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ተረኺቦም።
እቲ ፎረም ኢንቨስትመንት ብሓበራዊ ምትሕብባር ትካላት መንግስቲ፣ ዘፈር ውልቀን መሓዙት ልምዓትን ዝካየድ ምዃኑ ተገሊፁ።
ንኢትዮጵያ ኣማራፂ ኢንቨስትመንት ምፍላጥን ዕቤት ኢኮኖሚን ኣብ ምቅልጣፍ ዘድሀበ ፎረም ከምዝኾነ ተሓቢሩ።
ኣብቲ ፎረም ዝተፈላለዩ መዳርግቲ ኣካላት እናተለወጠ ኣብ ዝመፅአ ስነ ምህዳር ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ብምድሃብ ክዛተዩ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ኣሎ።
ዘፈር ውልቀ ኣብ ሓፈሻዊ ዓውዲ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ዘሎ ተሳትፎ ምዕባይ ምስዚ ተተሓሒዙ እውን ምሕዝነት መንግስቲን ውልቀን ምድንፋዕ ኣብ ዝከኣለሉ ኩነታት ምኽክር ከምዝካየድ ተገሊፁ።