ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ምዝዛም ዝሞተ ከም ምትሳእ ኢዩ – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ተጀሚሩ ንድሕሪት ዝኸደ ፕሮጀክት ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ምዝዛም ዝሞተ ከም ምትሳእ ኢዩ ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)፡፡
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር “ወግዒ ኣብ ጉባ” ኣብ ዝተሰየመ ፍሉይ ቃለ መሕትት ከምዝበሉዎ፥ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ደምን ረሃፅን ኣንጠብጢብና ጥብታ ማይ ንቁምነገር ዘውዓልናሉ ቦታ ኢዩ ኢሎም፡፡
ኣናእሽቲ ሓሳባት ዘለዎም ሰባት ሃገራዊ ረብሓ ብዘይምግንዛብ ንዝልእኹዎም ኣካላት ድሌት ዘሳኽዑ መሲሉዎም ብዙሕ ፈተነ ከምዝገበሩ ኣዘኻኺሮም፡፡
እቲ ግድብ ንብዙሕ እዋን ዝነበረ በደል፣ ጥፍኣትን ኣርዑት ድኽነትን ዝሰብር ትእምርታዊ ፕሮጀክት ኢዩ ክብሉ እውን ኣዘኻኺሮም፡፡
እቲ ግድብ ቅድሚ ሕዚ ጀሚርና ካብ ዘዕወትናዮ ሓምለዋይ ኣሰርን ልምዓት ኮሪደርን ዝበሉ ፕሮጀክታት ዝተፈለየ ኢዩ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ፥ ዝተጀመረ ምዝዛምን ተጀሚሩ ንድሕሪት ዝኸደን ምዝዛም ዝተፈላለዩ ኢዮም ክብሉ ኣብሪሆም፡፡
ክስተኻኸሉ ዘለዎም ኣፍሪስካ ዳግም ንምስራሕን ተረፍ ስራሕቲ ንምውጋንን ዝሓተቶ ገንዘብን ዝነበሩ ጂኦፖለቲካዊ ፅዕንቶታትን እቲ ፕሮጀክት ንድሕሪት እናኸደ ከምዝነበረ መርኣያ ኢዮም ኢሎም፡፡
ነገር ግን ብሓገዝ ፈጣሪ፣ ብድምር ዓቕሚን ቅዋምን፣ ብህዝብና ቆራፅነት ንዓመታት ኣብ ኣፀጋሚ መልክኣ ምድሪ እናሰርሑ ብዝነበሩ ሰራሕተኛታት ትግሃት ንፍፃመ በቒዑ ኢዩ ኢሎም፡፡
ምትእስሳር ባዕዳውያንንን ባንዳታትን ሕልሚታት ኢትዮጵያውያን እናተቓናቐፉ ከምዝፀንሑ ዝሓበሩ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ኣብዚ ሕዚ እዋን ካብ ዓለም ፍትሒ ናይ ምፅባይ ዝንባለ እናነከየ ምምፅኡ ኣመልኪቶም፡፡
ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ናይ ዘበናት በደልን ጥፍኣትን ጠጠው ዘብልን ዘትርፍን ከምኡ እውን ንብዙሕ እዋን ዝነበረ ኣርዑት ድኽነት ዝሰብር ትእምርታዊ ፕሮጀክት ከምዝኾነ ኣገንዚቦም፡፡
ብሃይለማርያም ተገኝ