ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ከይዱ ከቢድ ይኹን እምበር ፍሪኡ ጥዑም ኢዩ – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ከይዲ ህንፀት ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ መድከሚ ይኹን እምበር ፍሪኡ ኣዚዩ ጥዑም ክኸውን ኢዩ ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)፡፡
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር “ወግዒ ኣብ ጉባ” ኣብ ዝተሰየመ ፍሉይ ቃለ መሕትት ኣብ ዝገበሩዎ ፃሒት፥ ከይዲ ህንፀት እቲ ግድብ ኣድካሚ፣ መሰልቸዊ፣ ኣጨቓጫቒን ካብ ዕላማ ዘዛብዕን ከምዝነበረ ኣዘኻኺሮም፡፡
ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሰ ኢ-ፍትሃዊ ኣብ ዝኾነ ዓለም ፍትሒ ብምፅባይ ኣዚዩ ከምዝተፈተነን ነስሓ ዝተመልኦ እዋን ከምዘሕለፈን ኣልዒሎም፡፡
ብምኽንያት እቲ ግድብ ማይ እቲ ውሕጅ እንተዘይቛሪፁን ንካሊእ ዘይጎድእ እንተኾይኑን ኢትዮጵያ ሓይሊ ምፍልፋላ ከም ፀገም ተቖፂሩ ፅዕንቶ ምብዝሑ ክንትክዝ ዝገብር ጉዳይ ኮይኑ ከምዝፀንሐ ኢዮም ገሊፆም፡፡
ቤት ምኽሪ ፀፅታ ሓዊሱ ዝተፈላለያ ኣካላት ኣብ ጉዳይ እቲ ግድብ ከምዝዘተዩ ብምዝኽኻር፥ ኢትዮጵያ ህንፀት እቲ ግድብ ጠጠው ንኽተብል ተደጋጋሚ መጠንቀቕታን መፈራርሒን ኣተኣናጊዳ ኢያ ኢሎም፡፡
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ካብዚ ብተወሳኺ ብምኽንያት ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ኣብ ዕለታዊ ስራሕና ፅዕንቶ እናተገበረና ነይሩ ኢሎም፡፡
ኣባይ እንተይተጠቐምናሉ ምፍሳሱን ሓመድና እናወሰደ ይርከብ ዝብሉን ነስሓታት ኣብ ስነ ቃላትናን ግጥሚታትናን እናተነገሩ ምፅነሖም ብምዝኽኻር፥ ነገር ግን ኣባይ ካብ ማይ፣ ሓመድን ዓሳታትናን ሓሊፉ ወርቅና እውን ሒዙ ይኸይድ ከምዝነበረ ተዛሪቦም፡፡
ብምኽንያት እቲ ግድብ ብማይ ተፀራሪጉ እናኸደ ዝነበረ ደለል እንትነፈትሾ ወርቂ ንረኽበሉ ኣለና ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ኣባይ ወርቅና እውን ሒዙ ይኸይድ ነይሩ ዝብል ተወሳኺነስሓ ከምዘፈጠረ ኣልዒሎም፡፡
ሃፍትና እናተጠቐሙ ዝነበሩ ሃገራት ንኢትዮጵያ ኣብ ክንዲ ምምስጋን ሃፍተይ ክጥቀም ብምባላ መልሱ ቁጠዐን ግሳፀን ንሰምዕ ኣለና ኢሎም፡፡
ብምኽንያት እቲ ግድብ ዝተቛረፀ ማይ ከምዘየለ ብምግላፅ፥ ከም ቀደሙ ሓርየት ዘይኮነስ ፅሩይ ማይ ናብ ተፋስ ሃገራት እናኸደ ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡
እቲ ግድብ ብምህናፅና ማይ ኣባይ ሕራነን ሓዘንን ካብ ምትራፍ ሓሊፉ ነዓናን ንከባቢኡን እውን ብስራት ዝኸውን ብርሃን ኣውፂእና ኢና ኢሎም፡፡
ከይዲ ህንፀት እቲ ግድብ ኣድካሚ፣ መሰልቸዊ፣ መጨቓጫቒን ካብ ዕላማ ዘዛብዕ ከምዝነበረ ብምሕባር፥ ፍሪኡ ግን ኣዚዩ ጥዑም ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡
ብሃይለማርያም ተገኝ