ዓወት ምምሕያሽ ኢኮኖሚ ንምቕፃል ምስ ኢትዮጵያ ብምትሕባባር ክሰርሕ እየ – ባንኪ ዓለም
ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ለካቲት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ባንኪ ዓለም ምምሕያሽ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ዝተመዝገቡ ዓወታት ቀፃልነት ንምሃብ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዎ ምሕዝነት ብምጥንኻር ክቕፅል እዩ ኢሎም ማኔጂንግ ዳይሬክተር እቲ ባንኪ ኣና ቤርዴ፡፡
ሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሺዴ ምስ ማኔጂንግ ዳይሬክተር እቲ ባንኪን ምክትል ፕሬዚዳንት ባንኪ ንምብራቕን ደቡብን ኣፍሪካን ንዲያሜ ዲዮፕ ዘትዮም፡፡
ኣብ ዘካየድዎ ዘተ ኣብ ኢኮኖሚያዊ ምምሕያሽ ዝምዝገቡ ዘለው ዓወታት ሓዊሱ ዘላቒን ንኹሉ ዝሓቁፍን ልምዓትን ምርግጋፅ ማክሮ ኢኮኖሚ ምርግጋእን ኣብ ማክሮ ኢኮኖሚ ቅድሚት ዝውሃም ጉዳያት ዘርያ ዘትዮም፡፡
ኣይተ ኣሕመድ ሺዴ ኣብቲ እዋን ከምዝበልዎ፤ ኢትዮጵያ ብውልቀ ሴክተር ዝምራሕ ኢኮኖሚ ንምህናፅ እትገብሮ ስግግር ንምቅልታፍ ዝተፈላለዩ ፃዕሪታት እናተኻየዱ ይርከብ፡፡
ብኃይለማርያም ተገኝ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!