ዓውደ ምርኢት ሰሙን ሚድሮክ ካብ 26 ነሓሰ ጀሚሩ ክካየድ እዩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ግሩፕ ኢንቨስትመንት ሚድሮክ “ሜድሮክ ንሃገር” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ንሓሙሽተ መዓልታት ዝፀንሕ ዓውደ ምርኢት ከካይድ እዩ።
ኣብቲ ዓውደ ምርኢት እቲ ትካል ምስ ማሕበረሰብ ዘለዎ ምትእስሳር ንምጥንኻር ዝዓለመ ምዃኑ ኣፍሊጡ።
እቲ ጉጅለ ምስ ማሕበረሰብ ብተወሳኺ ዘለዎ ምትእስሳር ኣብ ቀፃሊ ትኹረታቱ ንምጉላሕን ዝዓለመ ዓውደ ምርኢት ምዃኑ ተገሊፁ።
በቲ ዓውደ ምርኢት ትካላት ግልጋሎቶም ሒዞም ብሜድሮክ ግሩፕ ምትእስሳር ዕዳጋ ከምዝፈጥሩ ኣረዲኦም፡፡
ላዕለዎት ሰብ መዚን ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲን ዝሳተፍሉ ፓነል ዘተ ከምዝካየድ ተሓቢሩ፡፡
ብዮናስ ጌትነት
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!