Fana: At a Speed of Life!

ዓውዲ ሎጂስቲክስ ዘሳልጥ ስራሕቲ ምምሕያሽ የካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ዓውዲ ሎጂስቲክስ ዘሳልጥ ዘኽእሉ ስራሕቲ ዲጂታል ቴክኖሎጂ ይስራሕ ኣሎ ኢሉ ሚኒስቴር ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን፡፡

ኣብ ውሽጢ ሃገር ኣብ ዓውዲ ለኣክን ኣምፃኢ ዝተዋፈሩ ሰብ ሃፍቲ ዝገጠሙዋ ፀገማት ንምፍታሕ ዝዓለመ ዘተ የካየድ ኣሎ፡፡

ሚኒስትር ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ኣለሙ ስሜ (ዶ/ር) ኣብቲ እዋን ከምዝበለዎ÷ ከም ሃገር እናተመዝገበ ዝርከብ ዕብየት ኢኮኖሚ ኣብቲ ዓውዲታት ዘለው ሰብ ሃፍቲ ልዑል ግደ ኣለዎ።

ኣብ ውሽጢ ሃገር ይኹን ኣብ ዓለም ለኸ ዕዳጋ ተወዳዳሪ ኮይኑ ብምርካቡ ኣብ ዓውዲ ትራንስፖርት ዘለው ፀገማት ምፍታሕ ከምዝግባእ ተዛሪቦም፡፡

ኣጠቃቕማ ግዘ ነጋዶ ጥራሕ ዘይኾነስ ኣብ ዕብየት ኢኮኖሚ ዘለዎ ልዑል ፅዕንቶ ምዃኑ ኣረዲኦም፡፡

ፀገማት ንምፍታሕ ሚኒስትር ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ኣብ ዓውዲ ግልጋሎት ዘሳልጡ ብዙሓት ምምሕያሻት እናካየደ ይርከብ ኢሎም፡፡

ኣብ ዓውዲ ትራንስፖርት ብሄራዊ ረብሓ ካብ ዘኽብሩ ዓውዲታት እዩ ዝበሉ እቶም ሚኒስትር፤ እቲ ግልጋሎት ቅልጡፍን ዘመናዊ ንምግባር ብትኹረት ከምዝሰርሕ ሓቢሮም፡፡

ዋና ፈፃሚ ስራሕ ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ባሕሪ ኢትዮጵያ በሪሶ ኣመሎ (ዶ/ር) ብግዲኦም÷ ኣብ ኣእትዎን ሰደድን ዝተዋፈሩ ውልቀ ኢንቨስተራት ዘጋጥሞም ፀገም ንምፍታሕ ብትኹረት ምስራሕ ይግባእ ኢሎም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ትካሎም ዝጥቀመሉ ማንዋል ሲስተም ናብ ዲጂታል ንምቕያር ይስራሕ ከምዘሎ ሓቢሮም።

ብሚልኪያስ ኣዱኛ

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.