ዓውዲ ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ክብ ንምባል ብምትሕብባር ምስራሕ ይግባእ – ኣለሙ ስሜ (ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ደም ሱር ኢኮኖሚ ዝኾነ ዓውዲ ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ክብ ንምባል ብምትሕብባር ምስራሕ ይግባእ ክብሉ ሚኒስትር ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ኣለሙ ስሜ (ዶ/ር) ገሊፆም።
እቲ ሚኒስቴር መድረኽ ሃገራዊ ጉባኤ ሴክተራት መደባት ኣፈፃፅማ ትሽዓተ ኣዋርሕ የካይድ ኣሎ።
ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸቡ እቶም ሚኒስትር፥ ኢትዮጵያ ብዘመዝገበቶ ምዕባለ ኢኮኖሚ እቲ ዓውዲ ናይ ምኽኣል ግደ እንተተፃወተ እውን ሐዚ እውን ብዙሓት ስራሕቲ ከምዝተርፍዎ ተዛሪቦም።
ነዚ ድማ መዳርግቲ ኣካላት ብምትሕብባር ብቕርበት ምስራሕ ከምዝግበኦም ኣገንዚቦም።
ነቲ ፀብፃብ ዘቕረቡ ኣፈፃሚ ስራሕ ጉዳያት ሎጂስቲክስ እቲ ሚኒስቴር ዮሐንስ ቢሻው፥ ሀንፀት ሓደሽቲ መዕርፎ ነፈርቲን መስፋሕፍሒ ነባር መዕርፎ ነፈርቲን ዝሓሸ ኣፈፃፅማ ከምዘለዎ ሓቢሮም።
መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ልዕሊ 11 ሚሊየን ዓለም ለኸ ተጓዓዝቲን 2 ነጥቢ 9 ሚሊየን ሃገር ለኸ መገደኛታትን ምጉዕዓዙ ገሊፆም።
ብመሳፍንት እያዩ