Fana: At a Speed of Life!

ዓውዲ ኮንስትራክሽን ንምዝማን ብትኹረት ይስራሕ ኣሎ – ወ/ሮ ጫልቱ ሳኒ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ዓውዲ ኮንስትራክሽን ብዝበለፀ ንምዕባይን ንምዝማን ብትኹረት ይስራሕ ኣሎ ኢለን ሚኒስትር ከተማን መሰረተ ልምዓትን ወ/ሮ ጫልቱ ሳኒ፡፡

ዓለም ለኸ ኢንዱስትሪ ኮንስትራክሽንን ኤክስፖ መሰረተ ልምዓት ምብራቕ ኣፍሪካን ፅባሕ ኣብ ሚለንየም ኣዳራሽ ኣዲስ ኣበባ ምክያድ ክጅምር እዩ።

ወይዘሮ ጫልቱ ሳኒ ከምዝበልኦ÷ ኮንስትራክሽን ናይ ሓንቲ ሃገር ዕብየት ብትኽኽለኛ መገዲ ከምዝርከብን ኢኮኖሚ እናዓበየ ምምፅኡ ዘርእይ እዩ፡፡

እቲ ዓውዲ ንኢትዮጵያ ብሓፈሻ ናይ ውሽጢ ሃገር ፍርያት 19 ሚኢታዊ እናበርከተ ምዃኑ ብምሕባር፤ ሕዚ ልዑል ምንቅቓሕ እናተራኣያ ከምዝርከብ ኣገንዚበን፡፡

ብተወሳኺ ኣብ ዓውዲ ኮንስትራክሽን ዘጋጥሙ ፀገማት ንምፍታሕ ብምትሕብባርን ብምውህሃድን ከምዝሰርሕ ገሊፀን።

ዓለም ለኸ ኤክስፖ ኢንዱስትሪ ኮንስትራክሽን ቻይና፣ ጀርመን፣ ህንዲ፣ ጣልያን ሕቡራት ዓረብ ኤሚሬታትን ሓዊሱ ልዕሊ 20 ሃገራት ክሳተፋ እየን፡፡

ብመላኩ ገድፍ

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.