Fana: At a Speed of Life!

ዓውዲ ፋይናንስ ጥዑይ፣ ዝተረጋግዐን ደሕንነቱ ዝሓለወን ኮይኑ ይንቀሳቀስ ኣሎ – ብሄራዊ ባንክ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 መጋቢት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ዓውዲ ፋይናንስ ጥዑይ፣ ዝተረጋግዐን ደሕንነቱ ዝሓለወን ምኳኑ ተገምጊሙ ኢሉ ብሄራዊ ባንክ ኢትዮጵያ፡፡
እቲ ባንኪ ኣብ ስርዓት ፋይናንስ ንምርግጋፅ ብዝተውሃቦ ሓላፍነት መሰረት ሓምለ 2016 ክሳብ ሰነ 2017 ዓ.ም ዝሽፍን ሳልሳይ ፀብፃብ ምግምጋም ፋይናንሳዊ ምርግጋእ ምስ ድሕንነት ፋይናንሳዊ ስርዓት ንምርግጋፅ ዝሃቦ ስልጣን ብምስምማዕ ዝሽፍን ምዃኑ ኣመላኺቱ።
ስርዓት ፋይናንስ ኢትዮጵያ ብወፃኢን ውሽጣዊን ፅዕንቶታት፣ ዞባዊ ወጥሪታትን ካልኦት ብድሆታትን ከምዝሓለፈ ዘመልከተ እቲ ፀብፃብ፤ እቲ ኢኮኖሚ ዓለም ለኸ ፅዕንቶ ተጣይሹ ምምሕያሽ ከምዘርኣየ ሓቢሩ።
ብተወሳኺ ቁጠባ ኢትዮጵያ ኣብ በጀት ዓመት 2017 ዓ.ም ምስ ማክሮ ኢኮኖሚ መዐቀኒታት ዝሰማማዕ ዕብየት ከምዘመዝገበን፣ ዝተረጋግዐ ፋይናንሳዊ ስርዓት ምፍጣሩ ዋጋ ንብረት ምንካዩ ገሊፁ፡፡
ኣብ ኢትዮጵያ ዝተረኣየ ዕብየት ኢኮኖሚ ገንዘባዊ ፖሊሲ ንምዕባይ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ኣወንታዊ ኣበርክቶ ከምዝገበረ እቲ ባንኪ ገሊፆም፡፡
ብሓፈሻ እቲ ፋይናንሳዊ ስርዓት ብጥዑይ፣ ርጉእ፣ መኽሰብ፣ ውሑስ መንገዲ ይሰርሕ ከምዘሎ እቲ ባንኪ ንፋና ዲጂታል ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ኣረዲኡ፡፡
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.