ዕቤት ኢትዮጵያ ንምርግጋፅ ኣብ ትምህርት ሕርሻ ትኹረት ምሃብ የድሊ – ኣረጋ ይርዳው (ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ታሕሳስ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ዕቤት ኢትዮጵያ ንምርግጋፅ ኣብ ትምህርት ሕርሻ ትኹረት ምሃብ የድሊ ኢሎም ፕሬዚዳንት ዩኒቨርሲቲ ዩኒቲ ኣረጋ ይርዳው (ዶ/ር)፡፡
ፕሬዚዳንቱ ከፋና ፖድካስት ጋር በነበራቸው ቆይታ÷ ኢትዮጵያ በርካታ የተፈጥሮ ሃብቶች፣ አምራች ዜጋ እና የቆየ ስራ ባህል እንዳላት አንስተዋል፡፡
ኢትዮጵያ ሃፍቲ ተፈጥሮኣ ንስራሕቲ ሕርሻ ምቹው ከምዝኾ ብምሕባር÷ ንኣህጉር ኣውሮፓን እስያን ዝቐርብ ኣቀማማጣ መሬት ንወፃኢ ንግዲ ምቹው ኩነታት ከምዝኾ እውን ኣብሪሆም።
በዝሒ ህዝቢ ተወሳኺ ዓቕሚን ሃፍቲን ብምዃኑ ኣፍረይቲ ሓይሊታት ሓዱሽ ፍልጠት ንኽቐስም ብምግባር ናብ ስራሕ ምእታው ይከኣል ኢሎም፡፡
ኢትዮጵያ ሕርሻ ሓዊሱ ኣብ ከይዲ ዘበናት ዘደንፈዐቶም ክእለታት ኣለዉዋ ዝበሉ ኣረጋ ይርዳው (ዶ/ር)፤ ካብ ባዕላ ሓሊፋ ንካልኦት ንኽትሕግዝ ኣብ ትምህርቲ ሕርሻ ትኹረት ብምግባር ምስራሕ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም፡፡
ወዲ ሓረስታይ ካብ ስድርኡ ፍልጠት ሕርሻ ከምዝረክብ ብምሕባር፤ እዚ ፍልጠት ብምዝማን መፍረያይነት ሕርሻ ምድንፋዕ ይከኣል ኢሎም፡፡
ብብርሃኑ ኣበራ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!