Fana: At a Speed of Life!

ዕዉትነት ሓምለዋይ ኣሰር ብራኸ ኢትዮጵያ ዘርእይ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ዕዉትነት ሓምለዋይ ኣሰር ብራኸ ኢትዮጵያ ዘርእይ ኢዩ ኢሎም ሚኒስትር ግብርና ግርማ ኣመንቴ (ዶ/ር)፡፡

ኣመራርሓን ሰራሕተኛታትን እቲ ሚኒስቴር ብምትካል ምብራኽ ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ከተማ ሸገር ሓምለዋይ ኣሰሮም ኣንቢሮም።

እቶም ሚኒስትር፥ ሎሚ ዘበን ኣብ ዝካየድ ዘሎ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር 7 ነጥቢ 5 ቢሊየን ፈልስታት ንምትካል ትልሚ ተታሒዙ ናብ ተግባር ተኣቲዩ ኢዩ ኢሎም።

ብመሰረት እዚ ክሳብ ሐዚ ኣብ ኩሎም ከባቢታት እዛ ሃገር 2 ነጥቢ 5 ቢሊየን ፈልሲ ከምዝተተኸለ ተዛሪቦም።

ሓምለዋይ ኣሰር ንዓውዲ ግብርና ልዑል ዕብየት የምፅእ ከምዘሎ ብምሕባር፥ ኣብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ንምግብነት፣ ንፅባቐ ከባቢ፣ ንደኒን ሓለዋ ከባቢን ዝውዕሉ ፈልሲታት ይትከሉ ኣለዉ ኢሎም።

በቲ መርሃ ግብሪ ኣብ ዝሓለፉ ዓማውቲ ፍሪያት ምስሳኑ፣ ምሽርሻር ሓመት ምቕናሱን ሽፋን ደኒ ምዕባዩን ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.