Fana: At a Speed of Life!

ዕዙዝ ዓወት ዝተመዝገበሉ ዝተዋደደ ስራሕቲ ዕቀባ ማይን ሓመድን

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብፍሉይ ትኹረት ዝተወገነ ዝተዋደደ ስራሕቲ ዕቀባ ሓመድን ማይን ልዑል ዓወት ተመዝጊቡ ኢሎም ሚኒስትር ሕርሻ ኢያሱ ኤሊያስ (ፕ/ር)።

እቶም ሚኒስትር ዴኤታ ምስ ፋና ፖድካስት ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት፥ ብምኽንጣት ምጉሕጓ መሬት ደለል ኮይኑ ዝኸይድ ሓመድ መፈልፈሊ ሃይሊ ግድባት ከምኡ እውን ዝሕረስ መሬትን ብሓሸዋን ብእምኒን ይምላእ ኢሎም።

እዚ ድማ ኣብ መፍረያይነት፣ ምፍልፋል ሓይሊን ካልኦት ስራሕቲን ኣሉታዊ ፅዕንቶ ከምዘስዕብ ብምሕባር፥ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብፍሉይ ትኹረት ዝተወገነ ዝተዋደደ ስራሕቲ ዕቀባ ሓመድን ማይን እቲ ፀገም ንምንካይ ኣኽኢሉ ኢሎም።

ኣብ ልምዓት ተፋሰስ፣ ሓምለዋይ ኣሰርን ልምዓት መስኖን ኣብ ፍርያት ፍረምረን ኣትክልቲን ልዑል ውፅኢት ከምዝተረኸበ ብምግላፅ፥ እቲ ስራሕ መፍረያይነት ከምዝወሰኸ ተዛሪቦም።

ኣብቲ ከባቢ ጠሊ ሓድ ከፅንሕ ስለዝኸኣለ ኣብ ዓመት ሰለስተ ግዘ ምፍራይ ዝከኣለሉ ምቹው ኩነታት ከምዝተፈጠረ ኢያሱ ኤሊያስ (ፕ/ር) ኣብሪሆም።

ብብርሃኑ ኣበራ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.