Fana: At a Speed of Life!

ዕጡቓት ናብ ሰላማዊ ናብራ ንኽምለሱ መንግስቲ ድገፉ ኣጠናኺሩ ክቕፅል እዩ – ኣይተ ኣረጋ ከበደ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ብሄራዊ ኮሚሽን ዳግመ ህንፀት ኣብ ክልል ኣምሓራ ይንቀሳቐሱ ዝነበሩ ነበር ዕጡቓት መሊስካ ንምጥያሽ ዘኽእሉ ጉዳያት ምስ ኣመራርሓ ሓለፍቲ ስራሕ ዘተ ኣካይዶም፡፡

ኣብ እዋን እቲ ዘተ ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣይተ ኣረጋ ከበደ ከምዝበልዎ÷ ኣብ እዋን ጎንፂ ተዋጋእቲ ሓይሊታት ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ህዝቢን ንብረትን ጉድኣት ዘብፅሕ ምዃኑ ብምርዳእ ዕጡቓት ሓይሊ ናብ ሰላም ንምምፃእ ክሰርሕ ፀኒሑ።

ናብ ሰላም ዝኣተው ዕጡቓት ሓይሊ መንግስቲ እቲ ክልል ምስ ብሄራዊ ኮሚሽን ዳግመ ህንፀት ብምትሕብባር ስልጠና ዳግመ ህንፀት ብምሃብ ሰላማዊ ኑሮ ክነብሩ ምግባሩ ሓቢሮም፡፡

ሕዚ እውን ብዝተፈላለዩ ከባቢታት እቲ ክልል ምስ ዝርከቡ ዕጡቓት ሓይልታት ኣብ ስምምዕ ሰላም ምብፅሑ ገሊፆም፡፡ ወሲኾም ድማ ስልጠና ተሃድሶ ወሲዶም ናብ ማሕበረሰብ ክሕወሱ ክግበር እዩ ኢሎም፡፡

በዙይ እውን መሓውር መንግስቲ ነቲ ኮሚሽን ደገፉ ኣጠናኺሩ ክቕፅል ሓቲቶም ክብል ኣሚኮ ፀብፂቡ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.