Fana: At a Speed of Life!

 ዘላቕነት ዘለዎ በሪ ባሕሪ ናይ ምርካብ ፍትሓዊ ሕቶ ብማሕበረሰብ ዓለም ዘለዎ ቅቡልነት ይዛይድ ኣሎ-ፕሬዚዳንት ታዬ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ እተቕርቦ ዘላ ዘተኣማምንን ዘላቕነት ዘለዎን በሪ ባሕሪ ናይ ምርካብ ፍትሓዊ ሕቶ ብማሕበረሰብ ዓለም ዘለዎ ቅቡልነት ይዛይድ ኣሎ ኢሎም ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀስላሴ።

እቶም ፕሬዚዳንት፥ ኢትዮጵያ ብሃፍቲታት ዶብ ተሳጋሪ ፍትሓዊ ተረባሕነት እንትትቅበል ብኡ ልክዕ  ዘተኣማምን በሪ ባሕሪ ናይ ምርካብ መሰላ ክተረጋግፅ ከምዘለዎ ኣገንዚቦም።

መበል ሻድሻይ መኽፈቲ ስነ ሰርዓት ሓምሻይ ዓመት ዘበን ስራሕ ባይቶ ወከልቲ ህዝብን ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽንን ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸብሉ ተሳሊጡ።

ፕሬዚዳንት ታዬ ክልቲአን ኣብያተ ምኽሪ ዓመታዊ ስራሕተን ንክጅምራ ብምብሳር መኽፈቲ መደረ ኣካይዶም።

ኣብቲ ዝገበርዎ መኽፈቲ መደረ፥ መሰረት ህልውና ኢትዮጵያ ኣብ ክሊ ዝኾኑ ክልተ ዓበይቲ ሃፍቲታት ማይ መንግስቲ ቀፃልነት ዘለዎ ሰለማዊን ዲፕሎማሲያዊን ፃዕሪታት ኣብ ምግባር ይርከብ ኢሎም።

ክሳብ ሐዚ ብመሰረት ዝተገበሩ ፃዕሪታት ሰለስተ ርኡያት ውፅኢታት ምምዝጋብ ከምዝተኽኣለ ተዛሪቦም።

ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ኣጋጢሙዎ ዝነበረ ፈተናታት ብጥበብ ብምሕላፍ ምዝዛምን ብድሙቕ ስነ ስርዓት ምምራቕን ከምዝተኽኣለ ገሊፆም።

ዘተኣማምንን ዘላቕነት ዘለዎን በሪ ባሕሪ ናይ ምርካብ ጉዳይ ክብ ናብ ዝበለ ብርኪ ከምዝተሰጋገረ ተዛሪቦም።

እቲ ፍትሓዊ ሕቶ ብማሕበረሰብ ዓለም እናማዕበለ ዝመፅአ ቅቡልነት ይረክብ ከምዘሎ ኣገንዚቦም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.