ዘመን ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ኣብ ግምት ዘእተወ ወለዶ ንምህናፅ ይስራሕ ኣሎ – ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ
ኣዲስ ኣበባ፣ 10 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ሽቶታት ዲጂታል ኢትዮጵያን ዓለም በፂሓቶ ዘላ ዘመን ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስን ኣብ ግምት ዘእተወ ወለዶ ንምህናፅ ይስራሕ ኣሎ ኢሎም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ።
እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ነዚ ዝገለፁ ኣብ ኢንስቲትዩት ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ክረምታዊ ስልጠና ክወስዱ ዝፀንሑ 300 ሰገናት ኣብ ዘመረቑሉ እዋን እዩ።
ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ኣብቲ እዋን፤ ዘመኑ ዝጠልቦ ኣብዮት ኣርቴፊሻል ኢንተለጀንስ ዝናበቡ ከምኡ እውን ዝመፅእ ፅዕንቶ ንምፅዋር ዝኽእሉ ኣብ ሰገናት ምስራሕ የድሊ ኢሎም፡፡
እዚ ወለዶ ንሕና ዝሓለፍናዮ ዕድል ክሓልፎ የብሉን፤ ክወርስ ዝግበኦም ጎንፂ፣ ኲናትን ሽግርን ክኸውን የብሉን ክብሉ ኣስሚሮምሉ።
ብለይኩን ኣለም
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!