ዘስካሕኽሕ ፅዕንቶ ክሌማዊ ለውጢ ንምውጋእ ስጉምቲ ለውጢ የድሊ – ፕሬዚዳንት ታዬ
ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)መስካሕኻሒ ዝኸውን ዘሎ ፅዕንቶ ክሌማዊ ለውጢ ንምውጋእ ህፁፅ ስጉምቲ ለውጢ የድሊ ኢሎም ፕሬዚዳንት ታየ ኣፅቀ ስላሴ።
ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ስላሴ፣ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ሞሓመድ ዓሊ ዩሱፍ ሓዊሱ ሓለፍቲ ሃገራትን ዓለም ለኸ ትካላትን ኣብ ዝተረኸቡሉ ካልኣ ዓለም ለኸ ቅነ ክሌማዊ ለውጢ ብኣሰናዳእነት ኢትዮጵያ ኣብ ኣዲስ ኣበባ እናተኻየደ ይርከብ።
ፕሬዚዳንት ታዬ ኣብቲ መድረኽ ከምዝበሉዎ፤ ኣፍሪካ ኣብ ፅዕንቶ ክሌማዊ ለውጢ ዓለም ዘለዋ ግደ ትሑት ይኹን እምበር ብፅዕንቶ ክሌማዊ ለውጢ ዋጋ እናኸፈለት ትርከብ።
በዚ ድማ ኣፍሪካ ንዝሕደስ ቴክኖሎጂ ኣድላዪ ዝኾነ ሃፍቲ ተፈጥሮ ዘለዋ ብምዃና ኣብ ንብረት ኣየር ዓለም ግደ መሪሕነት መፃወት ከምዘለዋ ኣገንዚቦም።
ንኹሉ ዛማእኸለን ፍትሓዊ ዝኾነ ፖሊሲ ንብረት ኣየርን ሓገዝ ገንዘብን ንኽትግበር ፃውዒት ኣቕሪቦም።
ክሌማዊ ለውጢ ኣብ ዓለም ብፍላይ ኣብ ኣፍሪካ ዘሕድሮ ፅዕንቶ ዝኸፍአ ብምዃኑ ክሌማዊ ለውጢ ንምውጋእ ህፁፅ ስጉምቲ ለውጢ የድሊ ኢሎም።
ብሶስና ኣለማየሁ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!