Fana: At a Speed of Life!

ዘተን ልዝብን ንሃገራዊ ሓድነት…

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ታሕሳስ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ብዘተን ልዝብን ፀገማት ምፍታሕ ንሓድነት ዜጋታትን ንምዕባለ ሃገርን ልዑል ግደ ይፃወት ኢሎም ምሁራን ሕጊን ማሕበረሰብ ሳይንስን።

ምስ ፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን ፃንሒት ዝገበሩ ተመራማሪ ሕጊን ፖለቲካ ሳይንስን ኣለማየሁ ገብረማሪያም (ፕ/ር)ን ጋዜጠኛን ተመራማሪ መፅናዕቲ ማሕበረሰብን መሓመድ ሲራጅን፥ ዘተን ልዝብን ንሃገራዊ ሓድነት ልዑል ግደ ከምዘለዎ ገሊፆም።

እቶም ምሁራን፥ ልዕሊ 40 ሃገራት ብዘተ ፀገማተን ምፍትሐን ገሊፆም።

ንምዕባለአን እንትብላ ቅርሕንተን ኣብ ጠረጴዛ ብምፍታሕ ሐዚ ብኢኮኖሚ ዝማዕበላ ሃገራት ከምዝኾና ኣብሪሆም።

ቱኒዝያ፣ ኬንያን ደቡብ ኣፍሪካን ካብ ሃገራት ኣፍሪካ ብኣብነት ከምዝግለፃ ብምሕባር፥ ካብ ደቡብ ኣሜሪካ እውን ኣርጀንቲናን ካልኦት ብዙሓት ሃገራትን ዕዉት ከይዲ ዘተ ምክያደን ተዛሪቦም።

ስለዝኾነ ብዘተን ልዝብን ፀገማት ምፍታሕ ንሓድነት ዜጋታትን ንምዕባለ ሃገርን ልዑል ግደ ይፃወት ኢሎም እቶም ምሁራን ሕጊን ማሕበረሰብ ሳይንስን።

ብወንድሙ ኣዱኛ

 

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.