ዘተኣማምን ዘላቒ ሰላምን ተሳትፎ ኩሎም ኣካላት ይሓትት – ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ
ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ለካቲት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ሰላም ዘተኣማምን ዘላቒን ንምግባር ተሳትፎ ኩሎም ኣካላት ይሓትት ኢለን፡፡
8ይ ሃገር ለኸ መድረኽ ሰላምን ድሕንነትን ሓበራዊ ዘተ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተሳሊጡ።
ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብቲ መድረኽ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ዘጋጠሙ ጎንፂታት ንወለዶታት ዘኽፍል ዘሎ ዕዳ እዩ።
እዚ ጎንፂ ናብ ቀፃሊ ወለዶ ከይሰጋገር ሎሚ ኢድ ንኢድ ተተሓሒዝካ ብምስራሕ ህዝቢ ብምስታፍ ዘተኣማምን ዘላቒ ሰላም ምርግጋፅ ከምዘድሊ ኣገንዚበን፡፡
ብሚልኪያስ ኣዱኛ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!